Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:17

[1] ካብ ይሁዳ ናብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ ነቶም ኣመንቲ ከም ሥርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድኅኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም ኢሎም መሃርዎም።

[2] ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ጳውሎስን በርናባስን ምስቶም ሰባት ብዙኅ ተኸራኸሩ። ስለዙይ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣኅዋት ኮይኖም ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፤ ናብ ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ክኸዱ ወሰኑ።

[3] ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ እቶም ኣሕዛብ ከመይ ኢሎም ናብ እግዚኣብሔር ከም ዝተመልሱ እናነገርዎም ብፊንቄን ብሰማርያን ኃለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዂሎም ኣመንቲ ኣሐጐሶም።

[4] ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያትን መራሕትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዂሉ ነገርዎም።

[5] ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሢኦም ኣሕዛብ ክግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ እናበሉ ተዛረቡ።

[6] እቶም ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ከዓ ብዛዕባ ዝነገር እዙይ ክማኸሩ ተኣከቡ።

[7] ብዙኅ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ ጴጥሮስ ተሢኡ፦ ኣቱም ኣኅዋትና ካብ መጀመርትኡ ኣሕዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑ ን ክኣምኑን እግዚኣብሔር ካባኻትኩም ከም ዝኃረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

[8] እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም።

[9] ልቦም ብእምነት ስለ ዘንጽሀ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።

[10] እምበኣርከስ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑ ት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን ስለምንታይ ንእግዚኣብሔር እትፈታተንዎ?

[11] ንሕናውን ከምኣቶም ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድኅን ኢና እንኣምን በሎም።

[12] ሽዑ ዂሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ ጽን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።

[13] ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያዕቆብ፦፦ ኣቱም ኣኅዋትና ስምዑ ኒ፦

[14] ኣምላኽ ንስሙ ሕዝቢ ምእንቲ ኸቕውም ቅድም ነሕዛብ ከመይ ገይሩ ከም ዝበጽሖም ስምዖን ተናጊሩ ኣሎ።

[15] እዝ ነገር እዙይ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ፦

[16] ብድኅርዙይ ክምለስ እየ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሠርሓ ነቲ ዑ ናኣ መሊሰ ኽሓንጾ ኽሕድሶውን እየ፤

[17] እዙይ ከዓ እቶም ዝተረፉ ሰባትን እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተጸውዐ ዂሎም ኣሕዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ ኢለ እየ

[18] ይብል እቲ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝተፈልጡ ነገራት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር› ዝብል ተጽሒፉ ይርከብ።

[19] እምበኣርከስ ነቶም ካብ ኣሕዛብ ናብ እግዚኣብሔር ዝምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም።

[20] እኳ ደኣ ንጣዖታት ብዝተሠውዐ ኸይረኽሱ ካብ ዝሙት ካብ ምብላዕ ዝበኸተ ሥጋ እንስሳን ደምን ተኸልከሉ› ኢልና ንጽሓፈሎም።

[21] ነዝ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ጸሎቶም ሕጊ ሙሴ ስለ ዝንበብ ኣብ ዂሉ ዓዲ ዝሰብክዎ ኣለዉ በሎም።

[22] ሽዑ እቶም ሓዋርያትን መራሕትን ምስ ኲላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾኪያ ዝሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ክኃርዩ ተሰማምዑ ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣኅዋት ካብ ዝነበሩ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረጹ።

[23] ምስኣቶም ድማ ኸምዙይ እትብል መልእኽቲ ብኢዶም ጽሒፎም ሰደዱ፦ ንሕና ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣኅዋትኩም ነቶም ኣብ ኣንጾኪያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቂያን ካብ ወገን ኣሕዛብ ንዘለኹም ኣኅዋት ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።

[24] ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ክትሕልዉን ኢሎም ብቓሎም ከም ዘናወጹኹምን ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።

[25] -

[26] ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቶም ዝወፈዩ በርናባስን ጳውሎስን ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንኃሪ ብሓደ ዄንና መኸርና።

[27] እንሆ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ኣፎም ምእንቲ ኽትሰምዕዎ ንይሁዳን ንሲላስን ሰዲድናልኩም ኣለና።

[28] ብዘይ እቲ ዝተገብአ ኅልፊ ሸክሚ እኳ ኸይነኽብደልኩም ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተርእዩና ኣሎ።

[29] እምበኣር ንርእስኹም ንጣዖት ካብ ዝተሠውዐ ምግብን ካብ ደምን ካብ ዝበኸተ ሥጋ እንስሳን ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዙይ እንተተኸልኪልኩም ጽቡቕ ክትነብሩ ኢኹም ደኃን ኩኑ።

[30] እቶም ልኡኻት ምስ ተፋነዉ ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም ከዓ ነቲ መልእኽቲ ሃብዎም።

[31] ንሳቶም ከዓ ምሰንበብዋ በቲ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ተሓጐሱ።

[32] ይሁዳን ሲላስን ድማ ነቢያት ስለ ዝነበሩ ነቶም ኣኅዋት ብብዙኅ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን።

[33] ብዙኅ መዓልቲ ምስኣቶም ምስ ቀነዩ ኸዓ እቶም ኣመንቲ ብሰላም ኣፋንዮም ናብ ሓዋርያት ሰደድዎም።

[34] ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ።

[35] ጳውሎስን በርናባስን ኸዓ ኣብ ኣንጾኪያ ተረፉ ምስ ብዙኃት ካልኦት ኮይኖም ድማ ቓል ጐይታ ይምህሩን ይሰብኩን ነበሩ።

[36] ድኅሪ ቝሩብ መዓልትታት ጳውሎስ ንበርናባስ ነዓ ናብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ኲለን ከተማታት ንመለስ፤ ነቶም ኣኅዋት ንሓውጾም ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም በሎ።

[37] በርናባስ ከዓ ነቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሓንስ ምስኣቶም ክማልኦ ደለየ።

[38] ጳውሎስ ግና ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ካብኣቶም ስለ ዝተፈልየን ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመጸን ክማልኦ ኣይደለየን።

[39] ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኣብ መንጎኦም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ኂዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።

[40] ጳውሎስ ግና ንሲላስ ኃረየ፤ እቶም ኣኅዋት ንጸጋ እግዚኣብሔር ምሰማኅፀንዎ ድማ ካብኡ ኸደ።

[41] ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣጸናንዐን።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters