Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:25

[1] በቲ እዋን እቱይ ንጉሥ ሄሮድስ ንገሊኦም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ከሳቕዮም ጀመረ።

[2] ንያዕቆብ ኃው ዮሓንስ ከዓ ብሰይፊ ቐተሎ።

[3] እዙይ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረአየ ድማ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ኃዞ፤ ሽዑ ቕነ ድማ በዓል ቅጫ ነበረ።

[4] ምስ ኃዞ ኸዓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ድኅሪ ፋሲካ ናብ ሕዝቢ ምእንቲ ኸውፅኦ ደልዩ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ ነርባዕተ ምድብ ወታደራት ኣኅሊፉ ሃቦ።

[5] ስለዙይ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና ምእንትኡ ተጊሃ ናብ እግዚኣብሔር ትጽሊ ነበረት።

[6] ሄሮድስ ብጽባሒቱ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኸቕርቦ ሓሰበ። እንተኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ጴጥሮስ ኣብ መንጎ ኽልተ ወታደራት ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ወታደራትውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።

[7] እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጎኑ ነኺኡ ቀልጢፍካ ተሥእ! በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ።

[8] እቲ መልኣኽ ከዓ ተዓጠቕ! ኣሣእንካውን ኣእቱ! በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ! በሎ።

[9] ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተኾነ ዝሓልም ዘሎ ድኣ ይመስሎ ነበረ እምበር እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነበረ።

[10] ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልአይትን ማዕፆ ዝሕልዉ ምስ ኃለፉ፤ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ ማዕፆ ኃጺን በጽሑ፤ ሽዑ ባዕላ ተኸፍተት። ወፂኦም ድማ ሓንቲ መንገዲ ኃለፉ ሽዑ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ኃደጎ።

[11] ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ሕዝቢ ኣይሁድ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድኃነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ በለ።

[12] ምስ ተፈለጦ ብዙኃት ኣመንቲ ተኣኪቦም ይጽልዩሉ ናብ ዝነበሩ ናብ ቤት ማርያም እኖ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሓንስ ከደ።

[13] ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕዂሐ ሮዳ እትብሃል ኣገልጋሊት ክትሰምዖ ወፀት።

[14] ንሳ ድምፂ ጴጥሮስ ምዃኑ ምሰለለየት ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ ነቲ ማዕፆ እንተይከፈተት ናብ ውሽጢ ጐየየት፤ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ ኢላ ነገረቶም።

[15] ንሳቶም ግና ዓቢድኪ ዲኺ! በልዋ። ንሳ ግና ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገጸት። ሽዑ መልኣኹ እዩ ዝኸውን በሉ።

[16] ጴጥሮስ ግና መላሊሱ ይዂሕዂሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ ረአይዎ እሞ ተገረሙ።

[17] ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሔር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ ነዝ ነገርዙይ ንያዕቆብን ነቶም ኣኅዋትን ንገርዎም በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።

[18] ምስ ወግሐ እቶም ወታደራት ጴጥሮስ ናበይ ኣትዩ? እናበሉ የመና ተሸበሩ።

[19] ሄሮድስ ድማ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ ኣብኣ ቐነየ።

[20] ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ብርቱዕ ጽልኢ ነበሮ። እንተኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉሥ ስለ ዝነበረ ንበላስጦን ኣዛዝ ቤት ንጉሥ ኣእሚኖም ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም ናብ ሄሮድስ መጹ።

[21] በታ ምድብቲ መዓልቲ ሄሮድስ ልብሰ መንግሥቱ ለቢሱ ኣብ ዙፋን ተቐመጠ፤ ነቶም ሕዝቢ ኸዓ ዘረባ ኣስምዖም።

[22] እቶም ሕዝቢ ድማ እዙይስ ድምፂ እግዚኣብሔር እዩ እምበር ድምፂ ሰብ ኣይኮነን! እናበሉ ዓው ኢሎም ጸርሑ።

[23] ክብሪ ንእግዚኣብሔር ስለ ዘይሃበ ድማ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።

[24] ቃል እግዚኣብሔር ግና እናዓበየን እናሰፍሐን ከደ።

[25] በርናባስን ሳውልን ኣገልግሎቶም ፈጺሞም ካብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሓንስውን ምስኣቶም ተማልእዎ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters