Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:33

[1] ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ድኅሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል ጰንጠቆስጤ ኲላቶም ኃቢሮም ነበሩ።

[2] ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ ሰማይ ድምፂ መጸ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ።

[3] ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርአዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ዓለበ።

[4] ንዂሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።

[5] ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣሕዛብ ዝመጹ ንእግዚኣብሔር ዝፈርኁ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ።

[6] እዝ ድምፅዙይ ምስ ሰምዑ ብዙኅ ሕዝቢ ተኣከበ። ነፍስ ወከፎም በብቛንቋኦም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ።

[7] ኲላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?

[8] ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና ብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና?

[9] ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን እቶም ኣብ መሶጶታምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ

[10] ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢ ቀሬኔ ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮም ዝመጻእና ኣይሁድን ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝኣተና ወገን ኣሕዛብን

[11] ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሔር ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና በሉ።

[12] ኲላቶም ደንጊጾም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን! ተበሃሃሉ።

[13] ገሊኣቶም ግና እናላገጹሎም እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም ሰኺሮም እዮም እናበሉ ሰሓቕዎም።

[14] ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሠርተ ሓደ ተሢኡ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዂልኻትኩምን እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ ጽን ኢልኩም ስምዑ ኒ።

[15] ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩሞ።

[16] እዙይ ግና ኸምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦

[17] በተን መወዳእታ መዓልትታት ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሔር፤ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክርእዩ ኣረጋውትኹምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።

[18] እወ በተን መወዳእታ መዓልትታት እቲኣተን ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።

[19] ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸዓ ምልክት ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ።

[20] እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሔር እንተይመጸት ፀሓይ ናብ ጸልማት ወርኂ ኸዓ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።

[21] ስም እግዚኣብሔር ዝጽውዕ ዂሉ ድማ ኽድኅን እዩ።›

[22] ኣቱም ሰብ እስራኤል ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ በቲ እግዚኣብሔር ብእኡ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ኃይልን ተኣምራትን ምልክትን እግዚኣብሔር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።

[23] ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሔርን ዘለዓለማዊ ፍልጠቱን ንዝተወፈየ ኢየሱስ ብኢድ ኃጢኣተኛታት ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።

[24] ሞት ኂዙ ኸጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ እግዚኣብሔር መእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተሥኦ።

[25] ዳዊትውን ብዛዕብኡ ኸምዙይ ይብል፦ ንእግዚኣብሔር ኲልሻዕ ኣብ ቕድመይ እርእዮ፤ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወጽን እየ፤

[26] ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤ ሥጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።

[27] ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትኃድጋን ኢኻ፤ ንቕዱስካ ድማ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።

[28] ንስኻ መንገዲ ሕይወት ኣፍለጥካኒ፤ ምሳይ ብምህላውካ ድማ ብታሕጓስ ክተጽግበኒ ኢኻ።›

[29] ኣቱም ኣኅዋትና! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት ከም ዝሞተን ከም ዝተቐብረን መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን ኣረጋጊጸ እነግረኩም ኣለኹ።

[30] ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ እግዚኣብሔር ሓደ ካብ ፍረ ኸርሡ ኣብ ዝፋኑ ኸቐምጥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ።

[31] ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ ሥጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ተዛረበ።

[32] እግዚኣብሔር ነዝ ኢየሱስ ኣተሢእዎ እዩ፤ ንሕና ዂላትና ኸዓ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና።

[33] ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ ነዝ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍሰሶ።

[34] -

[35] ዳዊት ባዕሉ ደኣ ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ› ይብል እምበር ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን።

[36] እምበኣርከስ እግዚኣብሔር ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ እግዚኣብሔር ንእኡ ጐይታን መሢሕን ከም ዝገበሮ ዂሉ ቤተ እስራኤል ብርግጽ ይፍለጥ።

[37] ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሓዋርያትን ኣቱም ኣኅዋትና እንታይ ደኣ ንግበር? በልዎም።

[38] ጴጥሮስ ድማ፦ ተነስሑ፤ ኃጢኣትኩም ምእንቲ ኽኅደገልኩም ኲልኹም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም።

[39] እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንዝጽውዖም ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩሞ በሎም።

[40] ካልእ ብዙኅ ነገርውን ነገሮምሞ ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድኅኑ ኢሉውን መዓዶም።

[41] እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሠለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም።

[42] ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሓዋርያት ብምክትታል ኃቢሮም ብምንባርን ብምቝራስ ኅብስትን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።

[43] ብዙኅ ምልክትን ተኣምራትን ድማ ብኢድ ሓዋርያት ይግበር ነበረ፤ ኣብ ኲሎም ከዓ ፍርኃት ኮነ።

[44] እቶም ዝኣመኑ ዂሎም ድማ ኃቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኲሉ ኸዓ ናይ ኃባር ነበረ፤

[45] ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።

[46] በብመዓልቱውን ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረጹ ብኅብረት ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም ኅብስት እናቖረሱ ኸዓ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ

[47] ንእግዚኣብሔርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሕዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሔር ከዓ ዝድኅኑ ዕለት ዕለት ናብቲ ማኅበር ይውስኽ ነበረ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters