ግብሪ ሓዋርያት 20
[1] እቲ ሁከት ምስ ሃድአ ኸዓ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ጸዊዑ ብምኽሪ ኣጸናንዖም ተሰናቢትዎም ከዓ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ተልዓለ።
[2] በቲ ዝኃለፎ ዓድታት ከዓ ብብዙኅ ቃል እናጸናንዖም ናብ ግሪኽ ከደ።
[3] ኣብኡ ሠለስተ ወርኂ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ እንተሎ ድማ ኣይሁድ ተንኰል ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ሓሰበ።
[4] በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ ጋይዮስ በዓል ደርቤን ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ።
[5] እዚኣቶም ቅድሜና ኃሊፎም ኣብ ጢሮኣዳ ተጸበዩና።
[6] ንሕና ግና ድኅሪ በዓል ፋሲካ ካብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ተልዒልና ብኃሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በጻሕና ኣብኡውን ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና።
[7] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን እንጀራ ኽንቖርስ ተኣከብና፤ ጳውሎስ ድማ ይምህሮም ነበረ፤ ንጽባሒቱ ኽገይሽ ስለ ዝኾነ ኸዓ ትምህርቱ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውኀ።
[8] ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደብሪ ብዙኅ መብራህትታት ይበርህ ነበረ።
[9] ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ እንተሎ ተታኸሰ፤ ጳውሎስ ትምህርቱ ምሰንውኀ ኸዓ ድቃስ ከቢድዎ ካብ ሣልሰይቲ ደብሪ ናብ ታሕቲ ወዲቑ ሞተ ሬሳኡ ድማ ኣልዓልዎ።
[10] ጳውሎስ ድማ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ድንን በለ እሞ ሓቝፉ ኣልዓሎ ብሕይወት እዩ ዘሎ እሞ ኣይትደንግፁ በሎም።
[11] ናብቲ ደብሪ ደይቡ ነቲ ጐበዝውን ምስኡ ኣደየቦ፤ ተቐሚጡውን እንጀራ ቖሪሱ በልዐ ክሳዕ ዝወግሕውን ብዙኅ መሃሮምሞ ኸደ።
[12] ነቲ ወዲ ኸዓ ብሕይወቱ ስለዝወሰድዎ የመና ተጸናንዑ ።
[13] ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ክነሳፍሮ ስለ ዝሓሰብና ንሕና ኣቐዲምና ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዙይ ዝገበርና ኸዓ ጳውሎስ ክሳዕ ኣሶን ብእግሪ ክኸይድ ስለ ዝመደበን ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝነገረናን እዩ።
[14] ኣብ ኣሶን ምስ በጻሕና ድማ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ ናብ ሚጢሊኒን ከዓ ኸድና።
[15] ካብኡ ወጺእና ኸዓ ብመርከብ ጌርና ናብ ማዕዶ ክዮስ በጻሕና፤ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፤ ንጽባሒቱ ኸዓ ኣብ ሚሊጢ ኣተና።
[16] ጳውሎስ እንተ ኾይኑሉስ ንበዓል ኃምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ ምእንቲ ኣብ እስያ ከይንድንጕ ኢሉ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።
[17] ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ጸውዖም።
[18] ናብኡ ምስ መጹ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገጽኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ ኲልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤
[19] ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሐኒ እኳ ብዂሉ ትሕትናን ብብዙኅ ንብዓትን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፤
[20] ዝጠቅም ኲሉ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም ዘጕደልኩልኩም የለን።
[21] ከምኡ ኸዓ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ክምለሱ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ ኸም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
[22] ሕዚ ብመንፈስ ተመሪሐ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን።
[23] ብዘይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ማእሰርትን መከራን ይጽበየካ ኣሎ› ኢሉ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን።
[24] ኣነ ግና ጸጋ እግዚኣብሔር ዝኾነ ወንጌል ንኽምህርን ንኽሰብኽን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ መልእኽተይን ግብረይን ክሳዕ ዝፍጽም ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ።
[25] ሕዚ ድማ እንሆ ንስኻትኩም መንግሥቲ እግዚኣብሔር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኲልኻትኩም ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩኒ ፈሊጠ ኣለኹ።
[26] ስለዙይ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ።
[27] ኲሉ ፍቓድ እግዚኣብሔር ደኣ ነገርኩኹም እምበር ዘትረፍኩልኩም የብለይንሞ።
[28] ስለዙይ ንርእስኹምን ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔርን ክትሕልዉ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ነቲ ዂሉ መጓሰ ሓልዉ።
[29] ኣነ ምስ ከድኩ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ ከም ተዃሉ ጨካናት ብድኅረይ ከም ዝመጹኹም እፈልጥ እየ።
[30] ካባኻትኩምውን ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።
[31] ስለዙይ ሠለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍስ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረጽኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።
[32] ሕዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ነቲ ኽሓንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ንዝኽእል ቃል ጸጋኡ ኃደራ እህበኩም ኣለኹ።
[33] ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን።
[34] በዘን ኣእዳወይ እናሠራሕኹ ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን ዘድለየና ኸም ዘማላእኹ ባዕልኻትኹም ትፈልጡ ኢኹም።
[35] ከምኡውን ሥራሕ ምሥራሕ፤ ድኻታት ምርዳእ ከምዝግባእ ጐይታና ኢየሱስ ካብቲ ዝቕበል እቲ ዝህብ ዝበለጸ ይባረኽ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።
[36] እዙይ ምስ በለ ኸዓ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎም ተምበርኪኹ ጸለየ።
[37] ኲላቶም ድማ ብዙኅ በኸዩ ንጳውሎስ ከዓ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ።
[38] ካብ ኲሉ ኸዓ ስለ እቲ ደጊምስ ገጸይ ኣይትርእዩንን ኢኹም ዝበሎም ቃል የመና ኃዘኑ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።