ግብሪ ሓዋርያት 8
[1] ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተኃባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሓዋርያት ኲሎም ኣመንቲ ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።
[2] ንእስጢፋኖስውን ንእግዚኣብሔር ዝፈርኁ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
[3] ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ ተልዓለ፤ ገዛ ገዛ እናኸደ ኸዓ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
[4] እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና ኣብ ዝኸድዎ ዂሉ ቃል ወንጌል ሰበኹ።
[5] ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።
[6] እቶም ሕዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ሰምዑ ን ምስ ረአዩን ድማ ኃቢሮም ነቲ ናይ ፊልጶስ ትምህርቲ ተቐበልዎ።
[7] ካብ ብዙኃት ሰባት ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩሞ፤ ብዙኃት መፃጕዓትን ሓንካሳትን ከዓ የሓውዩ ነበሩ።
[8] ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
[9] ኣብታ ኸተማ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቊልናኡን ብዘረባኡን ንርእሱ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ።
[10] ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኲላቶም ዓብዪ ናይ እግዚኣብሔር ኃይሊ እዙይ እዩ እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ።
[11] ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ ንብዙኅ እዋን ብጥንቊልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ።
[12] ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔርን ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ።
[13] ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍጸም ምስ ረአየውን ተገረመ።
[14] እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሓዋርያት ከዓ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም።
[15] ንሳቶም ድማ ወሪዶም መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ጸለዩሎም።
[16] ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ።
[17] ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።
[18] ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምጽአሎም፦
[19] እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበልስ ንኣይውን እዝ ሥልጣን እዙይ ሃቡኒ በሎም።
[20] ጴጥሮስ ግና ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሔር ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ
[21] ልብኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ኸዓ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን።
[22] እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳሕ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ኃደገልካ ንእግዚኣብሔር ለምኖ።
[23] ኣብ መሪር ኅንዚ ቕንእን ኣብ ማእሰርቲ ኃጢኣትን ከም ዘለኻ እርእየካ ኣለኹሞ በሎ።
[24] ሲሞን ድማ ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ከይበጽሐንስ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሔር ለምኑለይ በሎም።
[25] እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን ቃል እግዚኣብሔር ምስ መሃሩን ኣብ ብዙኃት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰብኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።
[26] መልኣኽ እግዚኣብሔር ግና ንፊልጶስ ተሥእ እሞ በታ ካብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፤ በሎ።
[27] ተሢኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ህፅዊ ሰብኣይ ንህንደኬ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገንዘባ ምሉእ ሥልጣን ዝነበሮ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኡ ነበረ።
[28] ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።
[29] መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ ነዝ ሠረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ በሎ።
[30] ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ ነዝ እተንብቦ ዘለኻ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ? ኢሉ ጠየቖ።
[31] ንሱ ድማ ዝመሃረኒ ዘይብለይ ከመይ ገይረ ኸስተውዕሎ በሎ፤ ንፊልጶስ ከዓ ደይቡ ምስኡ ኽቕመጥ ለመኖ።
[32] እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከዓ፦ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተስሓበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ኸዓ ኣፉ ኣይከፈተን፤
[33] ኣብ ጊዜ ውርደቱ ፍትሒ ሰኣነ፤ ሕይወቱ ካብ ምድሪ ስለ ዝተወስደት ንትውልዱስ መን ክነግሮ ይኽእል?
[34] እቲ ህፅዊ ኸዓ ምልስ ኢሉ ንፊልጶስ እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዙይ ዝብል ዘሎ? ብዛዕባ ርእሱ ድዩ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ በሎ።
[35] ፊልጶስ ከዓ ካብዝ ጽሑፍ እዙይ ጀሚሩ ብዛዕባ ኢየሱስ ብሥራት ሰበኸሉ።
[36] ክኸዱ እንተለዉ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በጽሑ፤ ሽዑ እቲ ህፅዊ እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ? በሎ።
[37] ፊልጶስ ከዓ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣኣምን እየ ኢሉ መለሰሉ።
[38] ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ህፅዊን ክልቲኦም ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን።
[39] ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ መንፈስ እግዚኣብሔር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድኅሪኡ እቲ ህፅዊ ኽርእዮ ኣይከኣለን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐጸለ።
[40] ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ክሳዕ ዝመጽእ እግረ መንገዱ ኣብ ኲለን ከተማታት እናተዘዋወረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።