Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:28

[1] -

[2] ኦ ቴዎፍሎስ! ኣብቲ ቐዳማይ ጽሑፈይ ብዛዕባቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ኂዙ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮም ሓዋርያት ኣዚዙ ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን ጽሒፈልካ ነይረ።

[3] ብድኅሪ ሞቱ ነርባዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርኣዮም ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከዓ እናነገሮም ብብዙኅ መረዳእታ ሕያው ከም ዝኾነ ንርእሱ ኣርኣዮም።

[4] ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ ናይ ኣብ ተስፋ ተጸበዩ እምበር ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ።

[5] ዮሓንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና ድኅሪ ቑሩብ መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም ኢሉ ኣዘዞም።

[6] ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ ጐይታይ! ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ ንእስራኤል መሊስካ መንግሥቲ እተቑመላ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[7] ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኣብ ብሥልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ ኣይተውሃበኩምን።

[8] መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪውን መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም በሎም።

[9] እዙይ ምስ በለ ድማ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ ደመና ሠወረቶ።

[10] ንሱ ኽዓርግ እንተሎ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም

[11] ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመጽእ እዩ በልዎም።

[12] ብድኅርዙይ ሓዋርያት ካብ ደብረ ዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ፤ ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም መንገዲ ሰንበት ዝኣክል ይርሕቕ ነበረ።

[13] ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ ዮሓንስ ያዕቆብ እንድርያስ ፊልጶስ ቶማስ በርተሎሜዎስ ማቴዎስ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ስምዖን ቀናኢ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብን ነበሩ።

[14] እዚኣቶም ኲሎም ምስ ገሊአን ኣንስትን ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን ምሰኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ።

[15] በተን መዓልትታት እቲኣተን ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሚእትን ዕሥራን ዝኣኽሉ ኣኅዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦

[16] ኣቱም ኣኅዋተይ! ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክኅዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ጽሑፍ ክፍጸም ይግባእ እዩ።

[17] ቊጽሩ ምሳና እንትኸውን ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ።

[18] ሕዚ ግና እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኲሉ ኣምዑ ቱ ድማ ተዘርገፈ።

[19] እዝ ነገርዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዂሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኦም ኣኬልዳማ ማለት ግራት ደም ኢሎም ሰመይዎ።

[20] ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፦ ገዝኡ ትዕኖ፤ ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ፤› ከምኡ ድማ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ› ዝብል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[21] -

[22] ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሓንስ ጀሚሩ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሣኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ።

[23] ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን ማትያስን ነበሩ።

[24] -

[25] ሽዑ ኦ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ሥፍራኡ ክኸይድ ዝኃደጋ ሥፍራ ኣገልግሎትን ሓዋርያነትን ክቕበል ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ነይንኦም ከም ዝኃረኻ ኣርኢ እናበሉ ጸለዩ።

[26] ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ ኸዓ ንማትያስ በጽሐት፤ ምስቶም ዓሠርተ ሓደ ሓዋርያትውን ተቖጸረ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters