Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:09

[1] ካብኣቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተልዓልና መንገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፤ ንጽባሒቱ ኸዓ ሮዶስ ኣብ እትብሃል ደሴት በጻሕና ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣተና።

[2] ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ናብኣ ደየብና ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐጸልና።

[3] ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ ንኢድ ጸጋም ኃዲግናያ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና።

[4] ኣብኣ ደሊና ኣመንቲ ረኸብና ምስኣቶም ከዓ ሸውዓተ መዓልቲ ቐኔና ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊጹሎም ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ በልዎ።

[5] እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሰኅለፍና ካብኡ ወፂእና ክንጐዓዝ ተልዓልና፤ ዂሎም ድማ ምሰንስቶምን ደቆምን ኮይኖም ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ጸለና።

[6] ደኃን ኩኑ ተበሃሂልና ምስ ተፈላለና ንሕና ናብታ መርከብ ደየብና ንሳቶምውን ነናብ ገዝኦም ተመልሱ።

[7] ንሕና ግና ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በጻሕና፤ ነቶም ኣመንቲ ሰላም ኢልና ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና።

[8] ንጽባሒቱ ካብኣ ወፂእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና ኣብኣ ቐኔና።

[9] ንሱ ትንቢት ዝዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልድ ነበራኦ።

[10] ኣብኡ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ጸናሕና ሓደ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ።

[11] ናባና መጺኡ ኸዓ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣሕዛብ ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም ይብል መንፈስ ቅዱስ በለ።

[12] እዙይ ምስ ሰማዕና ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ።

[13] ሽዑ ጳውሎስ ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሙማትውን ድልዊ እየ ኢሉ መለሰ።

[14] ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸዓ እግዚኣብሔር ዝፈቐዶ ይኹን ኢልና ስቕ በልና።

[15] ድኅሪ ቑሩብ መዓልትታት ምስ ተዳሎና ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና።

[16] ካብ ቂሳርያ ኃቢሮም ዝመጹ ደቀ መዛሙርትውን ምሳና ነበሩ። ኬድና ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ እንዳ ምናሶን ክንኣቱውን መርሑና።

[17] ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጻሕና እቶም ኣመንቲ ብሓጐስ ተቐበሉና።

[18] ንጽባሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያዕቆብ ከደ፤ ኲሎም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብኡ ነበሩ።

[19] ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም እግዚኣብሔር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ ኣብ ኣሕዛብ ዝገበሮ ዂሉ ሓደ ብሓደ ነገሮም።

[20] ነዙይ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ ንጳውሎስ ከዓ ኸምዙይ በልዎ፦ ኣታ ኃውና! ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከምዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ ኲላቶም ከዓ ሕጊ ሙሴ ንምፍጻም ቅንኣት ኣለዎም።

[21] ንስኻ ኣብ ማእኸል ኣሕዛብ ንዘለዉ ኣይሁድ ኲሎም ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ ደቆም ከይገርዙ ብሥርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።

[22] ምምጻእኻ ብርግጽ ክሰምዑ እዮም እሞ እንታይ ምግባር ይኃይሽ?

[23] እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና

[24] ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ ምስኣቶም ርእስኻ ኣንጽህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ ንስኻ ክፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዂሉ ኸዓ ሓቂ ኸም ዘይኮነን ኲላቶም ክፈልጡ እዮም።

[25] ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣሕዛብ ግና ተማኺርና ንጣዖታት ካብ ዝተሠውዐ ምግብን ደምን፤ ዝበኸተ ሥጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን ካብ ዝሙትን ረኃቁ› ኢልና ብጽሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና።

[26] ንጽባሒቱ ጳውሎስ ነቶም ሰባት ኂዙ ምስኣቶም ርእሱ ኣንጽሀ ብድኅሪ እዙይ እቲ መዓልቲ ምንጻሆም መኣዝ ከም ዝውዳእን ንነፍስ ወከፎም ድማ መሥዋዕቲ መኣዝ ከምዘቕርቡን ኽነግር ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።

[27] እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ ካብ ሃገር እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ ንዂሉ እቲ ሕዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ኃዝዎ።

[28] ኣቱም ሰብ እስራኤል ንዑ ርድኡና እቲ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ምስ እዝ ሕዝቢ እዙይን ምስ እዝ ሕጊ እዙይን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝጻረር ነገር ንዂሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ ነዛ ቕድስቲ ሥፍራ ኣርኪስዋ እዩ እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ጸርሑ።

[29] እዙይ ዝበሉ ኸዓ ቕድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም እዩ።

[30] ኲላ እታ ኸተማ ተሃወኸት፤ እቶም ሕዝቢ ዂላቶም ብሓንሳእ ብምጕያይ ንጳውሎስ ኂዞም ካብ ቤተ መቕደስ ጐቲቶም ኣውፅእዎ፤ ሽዑ ንሽዑ ውን ነቲ መዓፁ ቤተ መቕደስ ዓፀውዎ።

[31] ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሃወኸት ናብቲ ሓለቓ ሽሕ መልእኽቲ በጽሐ።

[32] ንሱ ኸዓ ወታደራትን ኣሕሉቕ ሚእትን ኂዙ ናብኣቶም ጐየየ። ኣይሁድ ከዓ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረአዩ ንጳውሎስ ካብ ምውቃዕ ኣቋረጹ።

[33] ድኅርዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትኃዞ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ።

[34] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ዓው ኢሎም ገሊኦም ከምዙይ ገሊኣቶምውን ከምቱይ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዋዕዋዕታ እቲ ሓለቓ ሽሕ ናይቲ ሁከት መልዓሊኡ ምርዳእ ስለ ዘይከኣለ ናብ ሰፈር ወታደራት ከብጽሕዎ ኣዘዘ።

[35] ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ እቲ ሕዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፤ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤

[36] ኣወግዶ ኢሎም እናጸርሑ ብዙኅ ሕዝቢ ይስዕብዎ ነበሩሞ።

[37] ናብቲ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ? በሎ። ንሱ ኸዓ ቋንቋ ግሪክዶ ትፈልጥ ኢኻ?

[38] ቕድሚ ሕዚ ሁከት ዘለዓዓልካን ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውፃእኻን ግብጻዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን? በሎ።

[39] ጳውሎስ ግና ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብ ኣብ እታ ፍልጥቲ ኸተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ዝተወለድኩ እየ ንሕዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ በለ።

[40] ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ሕዝቢ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኸምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters