Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:37

[1] ኣብታ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን እቲ ጸሊም ተብሂሉ ዝጽዋዕ ስምዖንን ሉቅዮስ ቀሬናውን ምስ ገዛኢ ርባዕ ኽፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ።

[2] እዚኣቶም ንእግዚኣብሔር ከገልግሉን ክጾሙን እንተለዉ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣነ ዝመረጽክዎም ኣገልግሎት ንበርናባስን ሳውልን ፍለዩለይ በሎም።

[3] ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።

[4] ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።

[5] ኣብ ስልማና ምስ በጽሑ ኸዓ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ቃል እግዚኣብሔር መሃሩ። ዮሓንስውን ይሕግዞም ነበረ።

[6] ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪጾም ኣብ ጳፉ ምስ በጽሑ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ ናይ ሓሰት ነቢይ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ።

[7] ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ጸውዖም።

[8] ግና ብቛንቋ ግሪኽ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝጽዋዕ ጠንቋሊ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ቲወሞም።

[9] እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ

[10] ኣታ ዂሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ጸላእ ኲሉ ጽድቂ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሔር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን?

[11] ሕዚ ኸዓ እንሆ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ በሎ። ሽዑ ንሽዑ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ ብኢዱ ኂዙ ዝመርሖ ደለየ።

[12] ሽዑ እቲ ሹም ነቲ ዝኾነ ርእዩ ኣመነ፤ ብምህሮ ጐይታ ኸዓ ተገረመ።

[13] ድኅርዙይ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፉ ተልዒሎም ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መጹ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሓንስ ከዓ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።

[14] ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌን ኃሊፎም ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንጾኪያ መጹ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም ተቐመጡ።

[15] ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ እቶም መራሕቲ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣቱም ኣኅዋትና ንሕዝቢ ዝጠቅም ቓል ምዕዳን እንተልይኩም ተናገሩ ኢሎም ለኣኹሎም።

[16] ሽዑ ጳውሎስ ተሢኡ ነቶም ሕዝቢ ብኢዱ እናመልከተ ኸምዙይ በለ፦ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሔር እትፈርኁን ስምዑ ።

[17] ኣምላኽ ሕዝቢ እስራኤል ነቦታትና ኃረዮም፤ ነዝ ሕዝቢ እዙይ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብጺ ተሰዲዱ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ኃይሉ ድማ ካብኣ ኣውፅኦም።

[18] ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ኸዓ ኣብ በረኻ ፆሮም።

[19] ካብ ምድሪ ኸነኣን ሸውዓተ መንግሥታት ኣጥፊኡ ኸዓ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።

[20] ድኅርዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ንኣርባዕተ ሚእትን ኃምሳን ዓመት ዝኣክል ድማ መሳፍንቲ ሸመሎም።

[21] ብድኅርዙይ ንጉሥ ከንግሠሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሔር ከዓ ካብ ነገደ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ ንኣርብዓ ዓመት ኣንገሠሎም።

[22] እግዚኣብሔር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ ንዳዊት ኣንገሠሎም፤ ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ ዂሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ።

[23] እግዚኣብሔር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ካብ ዘርኢ ዳዊት ነቲ መድኃኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ።

[24] ቅድሚ ምምጽኡውን ዮሓንስ ንዂሉ ሕዝቢ እስራኤል ንንስሓ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ።

[25] ዮሓንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍጽም ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሣእኑ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ እንሆ ንሱ ብድኅረይ ይመጽእ ኣሎ› በለ።

[26] ኣቱም ኣኅዋትና! ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሔር እትፈርኁን እዝ ቃል ምድኃን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።

[27] እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ በብሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ ምእንቲ ቓል መጻሕፍቲ ኽፍጸም ንሞት ፈረድዎ።

[28] ናብ ሞት ዘብጽሕ በደል እንተዘይረኸቡሉ እኳ ኽቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።

[29] ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጽሓፈ ዂሉ ምስ ፈጸሙ ኸዓ ካብ መስቐል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።

[30] እግዚኣብሔር ግና ካብ ምዉታን ኣተሥኦ።

[31] ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ምስክሩ ኾይኖም ንዘለዉን ብዙኅ መዓልቲ ተርኣዮም።

[32] ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሔር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ ነብሥረኩም ኣለና።

[33] ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ› ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ እግዚኣብሔር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትሥእ ብምግባር ኣባና ኣብ ደቆም ነዝ ተስፋ እዙይ ፈጸሞ።

[34] ከምቲ፦ ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ› ኢሉ ዝተዛረቦ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ካብ ምዉታን ኣተሥኦ።

[35] ከምኡ ኸዓ ኣብ ካልእ መዝሙር፦ ንቕዱስካ ምብስባስ ክርኢ ኣይትኃድጎን ኢኻ› ይብል።

[36] ዳዊት ግና ብዘመኑ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።

[37] እቲ እግዚኣብሔር ዘተሥኦ ግና ምብስባስ ኣይረአየን።

[38] -

[39] እምብኣርከስ ኣቱም ኣኅዋትና እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ ኅድገት ኃጢኣት ብኢየሱስ እዩ› ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኽጸድቕ ዘይተኽኣሎ ዂሉ ብኢየሱስ ብምእማን ይጸድቕ።

[40] -

[41] ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦ ኣቱም መላገጽቲ ረአዩ፤ ሓደኳ እንተ ነገረኩም ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን ጥፍኡን› ዝብል ኣባኻትኩም ከይፍጸም ተጠንቀቑ።

[42] ጳውሎስን በርናባስን ካብቲ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ በታ እትመጽእ ሰንበትውን ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም።

[43] እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርኁ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣሕዛብን ብዙኃት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ጸኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።

[44] በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ ሕዝቢ እታ ኸተማ ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዑ ዳርጋ ዂሎም ተኣከቡ።

[45] ኣይሁድ ግና ነቶም ዝተኣከቡ ሕዝቢ ምስ ረአዩ ቕንኣት ኃደሮም ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ ጸረፍዎውን።

[46] ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ ቃል እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገረኩም ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን ንናይ ዘለዓለም ሕይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና እንሆ ገጽና ናብ ኣሕዛብ ንመልስ ኣለና።

[47] እግዚኣብሔር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድኃን ምእንቲ ኽትከውን ነሕዛብ ብርሃን ገበርኩኻ› ኢሉ ኣዚዙና እዩሞ።

[48] ኣሕዛብ ኸዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሔር ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ንሕይወት ዘለዓለም ዝተዓደሉ ዂላቶምውን ኣመኑ።

[49] ቃል እግዚኣብሔር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በጽሐ።

[50] ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሔር ዝፈርኃ ኅፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።

[51] ንሳቶም ከዓ ንስምዕታ ክኾኖም ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም ናብ ኢቆንዮን ከዱ።

[52] ሓዋርያትውን ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters