Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:35

[1] ድኅርዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለጸሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም።

[2] ስምዖን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኃቢሮም ነበሩ።

[3] ስምዖን ጴጥሮስ ድማ ኣነስ ዓሣ ኸስግር ክኸይድ እየ በሎም። ንሳቶም ከዓ ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይኃዙን።

[4] ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን።

[5] ኢየሱስ ደቀይ! ዝብላዕዶ ኣለኩም? በሎም። ንሳቶም ድማ የብልናን ኢሎም መለሱሉ።

[6] ንሱ ኸዓ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎሞ ኽትረኽቡ ኢኹም በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝኂ ዓሣ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ።

[7] እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ ጐይታና እኮ እዩ በሎ። ስምዖን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ ኽዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።

[8] እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ ነቲ ዓሣ ዝመልአ መርበብ ብጃልባ እናሰሓብዎ መጹ።

[9] ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ዓሣ ዝነበሮ ጓህርን ዝተሠርዐ እንጀራን ረአዩ።

[10] ኢየሱስ ከዓ ኻብዝ ሕዚ ዝኃዝኩምዎ ዓሣ ኣምጽኡ በሎም።

[11] ስምዖን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደይቡ ነቲ ሚእትን ኃምሳን ሠለስተን ገዘፍቲ ዓሣ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝኃቱ ኽሳዕ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓሣ እንተኾነኳ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን።

[12] ኢየሱስ ድማ ንዑ ብልዑ ! በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ኻብኣቶም ሓደኳ ንስኻ መን ኢኻ ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን።

[13] ኢየሱስ መጺኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሣውን ከምኡ።

[14] ካብ ሙታን ድኅሪ ምትሥኡ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለጸሎም እዙይ ሣልሳይ ጊዜ እዩ።

[15] ምስ በልዑ ድማ ኢየሱስ ንስምዖን ጴጥሮስ ስምዖን ወዲ ዮና! ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ትፈትወኒ ኢኻ? በሎ። ንሱ ኸዓ እወ ጐይታይ! ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ መሓሲአይ ኣብልዕ በሎ።

[16] ካልኣይ ጊዜ ስምዖን ወዲ ዮና! ትፈትወኒ ዲኻ? በሎ። ንሱ ድማ እወ ጐይታይ! ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ በሎ። ንሱ ኸዓ ኣባጊዐይ ሓሉ በሎ።

[17] ሣልሳይ ጊዜ ድማ ስምዖን ወዲ ዮና! ትፈትወኒ ዲኻ? በሎ። ጴጥሮስ ንሣልሳይ ጊዜ ትፈትወኒ ዲኻ? ስለ ዝበሎ እናኃዘነ ጐይታይ! ንስኻ ዂሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ በሎ። ኢየሱስ ከዓ ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤

[18] ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ ባዕልኻ ሕቖኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝይደለኻዮ ትኸይድ ነይርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ሕቖኻ ካልእ ከም ዘዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ እማን እማን እብለካ ኣለኹ በሎ።

[19] እዙይ ዝበለ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት ንእግዚኣብሔር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ ተኸተለኒ! በሎ።

[20] ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ ናብ ኢየሱስ ጽግዕ ኢሉ ጐይታይ ኣኅሊፉ ዝህበካ መን እዩ? ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ።

[21] ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንኢየሱስ ጐይታይ! እዙይከ ከመይ ክኸውን እዩ? በሎ።

[22] ኢየሱስ ከዓ ክሳዕ ዝመጽእ ኽጸንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ በሎ።

[23] ስለዙይ እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣኅዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና ክሳዕ ዝመጽእ ክጸንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? እዩ ዝበለ እምበር ኣይመውትን ኣይበለን።

[24] እቲ ብዛዕባዙይ ዝመስከረን ዝጸሓፈን እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ። እቲ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።

[25] ኢየሱስ ዝገበሮ ኻልእ ብዙኅ ነገራትውን ኣሎ። ኲሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዝኸውንስ ነቲ ዝጽሓፍ መጻሕፍቲ ዓለም ኣይምኸኣሎን ነይሩ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters