ወንጌል ሉቃስ 24
[1] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ኂዘን ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።
[2] እቲ እምኒ ኸዓ ኻብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።
[3] ኣብኡ ኣትየን ግና ናይ ጐይታ ኢየሱስ ሥጋ ኣይረኸባን።
[4] ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ እንሆ ዘንጸባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።
[5] ፈሪኀን ገጸን ናብ ምድሪ ምሰድነና ንሳቶም ከዓ፦ ንምንታይ ድኣ ነቲ ሕያው ምስ ምውታት ትደልያኦ ኣለኽን?
[6] -
[7] ንሱስ ተሢኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ኃጥኣን ክወሃብን ክስቀልን ብሣልሰይቲ መዓልትውን ክትሥእ ግድን እዩ› ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ በልወን።
[8] ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራኦ።
[9] ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዂሉ ነቶም ዓሠርተ ሓደን ነቶም ካልኦት ብጾቶምን ነገራኦም።
[10] እተን እዙይ ንሓዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ማርያም እኖ ያዕቆብን እየን። ካልኦት ኣንስቲውን ምስኣተን ነበራ።
[11] እዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ቅድሚኦም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርአዮም ኣይኣመንወንን።
[12] ጴጥሮስ ግና ተሢኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተጠመተ ኸዓ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ ናብ ገዝኡ ተመለሰ።
[13] እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ካብ ኢየሩሳሌም ዓሠርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ናብ እትርኅቕ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።
[14] ንሳቶም ድማ በቲ ዝኾነ ዂሉ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ።
[15] ክዘራረቡን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን እንተለዉ ኸዓ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ ክኸይድ ጀመረ።
[16] ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ።
[17] ንሱ ድማ እዝ እናኸድኩም ንስንሳትኩም እትዛረብዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ከዓ ኃዚኖም ደው በሉ።
[18] ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ? ኢሉ መለሰሉ።
[19] ንሱ ኸዓ እንታይ እዩ? በሎም ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሕዝብን ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ።
[20] ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣኅሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን
[21] ንሕና ግና ንእስራኤል ዘድኅን ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ነይርና ምስ እዝ ዂሉ ኸዓ እዙይ ካብ ዝኸውን ሎሚ ሣልሳይ መዓልቲ እዩ።
[22] ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና ዘገርም ነገር ነገራና።
[23] ሥጋኡ ምስ ሰኣና ሕያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ መጺአን ነገራና።
[24] ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት ናብ መቓብር ምስ ከዱ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአዮዎን።
[25] ንሱ ድማ ኣቱም ነቢያት እተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ! ኣቱም ዘይተስተውዕሉ!
[26] ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን? በሎም።
[27] ነቲ ብዛዕብኡ ኣብ ኲሉ መጻሕፍቲ ዘሎ ካብ ሙሴን ኲሎም ነቢያትን እናጠቐሰ ኽገልጸሎም ጀመረ።
[28] ናብታ ዝኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ ኃሊፉ ዝኸይድ መሰለ።
[29] ንሳቶም ግና መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ ምሳና ኅደር ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክኃድር ኣተወ።
[30] ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ እንጀራ ኣልዒሉ ባሪኹ ቖሪሱ ሃቦም።
[31] ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሠወረ።
[32] ንስንሳቶም ከዓ እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን እተን መጻሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልጸልናን እንተሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን? ተባሃሃሉ።
[33] በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሠርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም።
[34] ብሓቂ ጐይታ ተሢኡ እዩ! ንስምዖንውን ተርእዩዎ እዩ! ይብሉ ነበሩ።
[35] እቶም ክልተ ድማ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን እንጀራ ኽቖርስ እንተሎ ኸመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም።
[36] እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን በሎም።
[37] ንሳቶም መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ።
[38] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ እንታይ ኮይንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል?
[39] ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም መንፈስ ሥጋን ዓፅምን የብሉን እሞ ዳህሲስኩም ርአዩኒ በሎም።
[40] እዙይ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
[41] ንሳቶም ድማ ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም? በሎም።
[42] ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሣን ወለላ መዓርን ሃብዎ።
[43] ተቐቢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚኦም በልዐ።
[44] ንሱ ድማ እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን ብዛዕባይ ዝተጽሓፈ ኽፍጸም ግድን እዩ ኢለ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ በሎም።
[45] ሽዑ ነተን መጻሕፍቲ ኸስተውዕልወን ኣእምሮኦም ከፈተሎም።
[46] ኣስዒቡ ድማ ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል ብሣልሰይቲ መዓልትውን ካብ ሞት ከምዝትሥእ
[47] ብስሙ ኸዓ ንስሓን ኅድገት ኅጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ከም ዝስበኽ ተጽሒፉ እዩ።
[48] ናይዚ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን ንስኻትኩም ኢኹም።
[49] እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ላዕሊ ኃይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ በሎም።
[50] ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ ኽሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
[51] ክባርኾም እንተሎ ኸዓ ኻብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
[52] ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙኅ ሓጐስውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
[53] ኹልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ ንእግዚኣብሔር የመስግኑ ነበሩ።