ወንጌል ሉቃስ 6
[1] ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽኃልፍ እንተሎ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ።
[2] ካብ ፈሪሳውያን ገሊኦም ስለምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም? በልዎም።
[3] -
[4] ኢየሱስ ድማ ዳዊት ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ከም ዝኣተወ እሞ ንኻህናት ጥራሕ እምበር ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ ኅብስተ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም ኣየንበብኩምን ዲኹም? ኢሉ መለሰሎም።
[5] ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ ድማ በሎም።
[6] ብኻልእ ሰንበት ድማ ኢየሱስ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
[7] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ብሰንበት እንተሕወዮ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ።
[8] ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ተሥእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል! በሎ። ንሱውን ተሢኡ ደው በለ።
[9] ኢየሱስ ከዓ እስኪ ኽጥይቐኩም፦ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ? በሎም።
[10] ንዂሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ ነቲ ሰብኣይ ኢድካ ዘርግሕ! በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
[11] ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
[12] ኢየሱስ በተን መዓልትታት እቲኣተን ክጽሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሔር ክጽሊ ኃደረ።
[13] ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፤ ካብኣቶም ድማ ዓሠርተ ኽልተ መረጸ፤ ሓዋርያት ኢሉ ድማ ሰመዮም፦
[14] ንሳቶም ከዓ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ያዕቆብን ዮሓንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን
[15] ማቴዎስን ቶማስን ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቐናኢ ዝተብሃለ ስምዖንን
[16] ይሁዳ ወዲ ያዕቆብን እቲ ኣኅሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታውን ነበሩ።
[17] ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙኃት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ኻብ ኲሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን
[18] ምእንቲ ኽሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መጹ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ።
[19] ካብኡ ኃይሊ ወፂኡ ንዂሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ ዂሎም እቶም ሕዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ።
[20] ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ ኣቱም ድኻታት መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም እያ እሞ ብፁዓን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ ኽትጸግቡ ኢኹም እሞ ብፁዓን ኢኹም።
[21] ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ ብፁዓን ኢኹም።
[22] ሰባት ምእንቲ ወዲ ሰብ እንተ ጸልኡኹም እንተ ፈለዩኹም እንተ ጸረፉኹም ንስምኩምውን እንተነወርዎ ብፁዓን ኢኹም።
[23] እንሆ ኣቦታቶም ድማ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙኅ ስለ ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ።
[24] ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም!
[25] ኣቱም ሕዚ እትጸግቡ ኽትጠምዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ ክትበኽዩን ክትኃዝኑን ኢኹም እሞ ወይለኹም!
[26] ኲሉ ሰብ ጽቡቕ እንተተዛረበልኩም ወይለኹም! ኣቦታቶም ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮምሞ።
[27] ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝጸልኡኹም ድማ ጽቡቕ ግበሩ።
[28] ንዝረግሙኹም መርቑ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ጸልዩ።
[29] መትልሕኻ ንዝጸፍዐካ እታ ኻልአይታውን አዙረሉ፤ ነጸላኻ ንዘኅደገካ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ።
[30] ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን ምለሰለይ ኣይትበሎ።
[31] ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ ንስኻትኩም ከዓ ኸምኡ ግበሩሎም።
[32] ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ኃጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም።
[33] ሠናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ ሠናይ እንተ ገበርኩምከ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ኃጥኣንውን ይገብሩ እዮም።
[34] ክፈድየኩም ንትጽበይዎ እንተለቃሕኹምከ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ኃጥኣንውን ንኃጥኣን ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም።
[35] ንስኻትኩም ግና ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሠናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተጸበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሔር ንዘየመስግኑን፤ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ ዓስብኹም ብዙኅ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑ ልውን ክትኮኑ ኢኹም።
[36] ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርህሩህ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
[37] ኣይትፍረዱ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ ኣይትዂነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም።
[38] ሃቡ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም እዩ፤ ብጽቡቕ መስፈሪ ዝመልአ ዝተፀቐጠ ዝተነነወ ኅልፍን ትርፍን ዝኾነ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።
[39] መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም?
[40] ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን፤ ተምሂሩ ዝወድአ ዂሉ ግና ኸም መምህሩ እዩ ዝኸውን።
[41] ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ ኣብ ዓይኒ ኃውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ?
[42] ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ ንኃውካ ኣታ ኃወይ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ› ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ ብድኅሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ኃውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ ኣጽሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።
[43] ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ ጽቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ጽቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን።
[44] በለስ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒውን ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኲሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ።
[45] ኣፍ ድማ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዘውፅእ።
[46] ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ ስለምንታይ ኢኹም ጐይታይ ጐይታይ! እትብሉኒ?
[47] እቲ ናባይ ዝመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን ኲሉ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ።
[48] ንሱ ገዝኡ ኽሠርሕ እንተሎ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሠረቱውን ኣብ ኰዂሒ ዝሠረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መጺኡ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ብጽኑዕ ስለ ዝተነደቐ ግና ኽነቓነቕ ኣይከኣለን።
[49] እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ገዝኡ ብዘይ መሠረት ኣብ ምድሪ ዝሠርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።