ወንጌል ሉቃስ 14
[1] ኢየሱስ ብሰንበት ካብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ሓደ ናብ ዝኾነ ሰብ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ ፈሪሳውያን ይጸናጸንዎ ነበሩ።
[2] እንሆ ዂሉ ኣካላቱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
[3] ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን? ኢሉ ጠየቖም።
[4] ንሳቶም ከዓ ኣጽቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።
[5] መሊሱ ድማ፦ ካባኻትኩምከ ኣድጉ ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ? ኢሉ ጠየቖም።
[6] ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ።
[7] ነቶም ንምሳሕ ዝተዓደሙ ድማ ዝለዓለ መቐመጢ እንትመርፁ ምስ ረአየ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ነገሮም።
[8] ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ
[9] እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መጺኡ እዛ ሥፍራ እዚኣ ነዙይ ኅደገሉ› ኸይብለካ፤ ሽዑ እናኃፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ።
[10] ምስ ተዓደምካ ኼድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ ዓርከይ! ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኲሎም ዕዱማት መቓምጥኻ ኽብሪ ክኾነካ እዩ።
[11] ርእሱ ዘኽብር ኲሉ ኽዋረድ እዩ፤ ርእሱ ዘትሕት ግና ክኸብር እዩሞ።
[12] ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ መሊሶም ከይጽውዑ ኻ እሞ ልቓሕ ምምላስ ከይኾነካ ኣዕርኽትኻ ወይ ኣኅዋትካ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ።
[13] ምሳሕ እንተ ገበርካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።
[14] ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ኽትከውን ብትንሣኤ ጻድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ በሎ።
[15] ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ ኣብ መንግሥተ ሰማያት እንጀራ ዝበልዕ ብፁዕ እዩ በለ።
[16] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙኃትውን ዓደመ።
[17] ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ ነቶም ዕዱማት ኲሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ › ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ።
[18] ኲሎም ከዓ ኃቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ግድን ስለ ዘድለየኒ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ› በሎ።
[19] እቲ ኻልኣይ ድማ ኃሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ› በሎ።
[20] እቲ ሣልሳይ ከዓ ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ ኽመጽእ ኣይክእልን እየ› በሎ።
[21] እቲ ሓሽከር ተመሊሱ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቖጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተኃላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን ናብዙይ ኣምጽእ› በሎ።
[22] እቲ ሓሽከር ከዓ ጐይታይ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ሥፍራ ገና ኣሎ› በሎ።
[23] እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕጽርታትን ኪድ እሞ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ ግድን ከም ዝመጹ ግበሮም።
[24] ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ እብለኩም ኣለኹ።›
[25] ብዙኃት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ ምልስ ኢሉ ከምዙይ በሎም፦
[26] ናባይ ክመጽእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን ደቁን ኣኅዋቱን ኣኃቱን ሕይወቱውን ከይተረፈ እንተዘይጸልአ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
[27] መስቀሉ ፆይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
[28] ካባኻትኩምከ ሓደ ኣዳራሽ ክሠርሕ ዝደሊ እሞ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተልይዎ ኣቐዲሙ ዘይጽብጽብ መን እዩ?
[29] -
[30] እንተዘይኮነ መሠረት ምስ ሠረተ ምውዳእ እንተ ሰኣነ ዝረአይዎ ዂሎም እዝ ሰብ እዙይ ሕንፃ ጀሚሩ ነይሩ ምውዳእ ግና ስኢኑ› እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ።
[31] ወይ ምስ ካልእ ንጉሥ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ ነቲ ብዕሥራ ሽሕ ዝመጾ ብዓሠርተ ሽሕ ክገጥመሉ ዝኽእል እንተኾይኑ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉሥ እዩ?
[32] እንተዘይኮነ ገና ኣብ ርኁቕ እንተሎ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ።
[33] ከምኡ ድማ ነፍስ ወከፍ ካባኻትኩም ዘለዎ ዂሉ ዘይኃደገ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
[34] ጨው ጽቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ የመቅርዎ?
[35] ንመሬት ኾነ ንድዂዒ ስለ ዘይጠቅም ናብ ደገ ይድርብይዎ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!