ወንጌል ሉቃስ 3
[1] ጢባርዮስ ቄሣር ካብ ዝነግሥ ኣብ መበል ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ ፊልጶስ ኃዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ
[2] ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ ቃል እግዚኣብሔር ናብ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መጸ።
[3] ንሱ ድማ ንኅድገት ኃጢኣት ዝኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ ኣብ ኲሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።
[4] እዙይ ከዓ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ ጐደና እግዚኣብሔር ኣመዓራርዩ! መንገድታቱውን ኣቕንዑ !
[5] ኲሉ ጕድጓድ ይምላእ! ኲሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል! ጥውይዋይ ዝኾነ ዂሉ ይቕናዕ! ድንጉር ይተኻኸል!
[6] ሥጋ ዝለበሰ ዂሉውን ምድኃን እግዚኣብሔር ክርኢ እዩ!› ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ
[7] ዮሓንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመጹ ሰባት ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ ቊጥዓ ኽተምልጡኸ መን ሓበረኩም?
[8] እምበኣርከስ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና› ብምባል ኣይትጀሃሩ፤ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን ውሉድ ከተሥአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
[9] ማሕጸ እንሆ ኣብ ሡር አእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ ኲሉ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረጽ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ ይብሎም ነበረ።
[10] እቶም ሕዝቢ ድማ እንታይ ድኣ ንግበር? ኢሎም ጠየቕዎ።
[11] ንሱ ኸዓ ኽልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ የሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር ኢሉ መለሰሎም።
[12] ተቐበልቲ ቐረጽ ድማ ኽጥመቑ መጺኦም ኦ መምህር! ንሕናኸ እንታይ ንግበር? ኢሎም ጠየቕዎ።
[13] ንሱ ድማ ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ኅልፊ ኣይትውሰዱ በሎም።
[14] ወታደራት ድማ ንሕናኸ እንታይ ንግበር? ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ ንሓደኳ ኣይትግፍዑ ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደሞዝኩም ይእኸልኩም በሎም።
[15] እቶም ሕዝቢ ኣብ ትጽቢት ነበሩሞ ኲሎም ንዮሓንስ እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን? እናበሉ ብልቦም የሓስቡ ነበሩ።
[16] ዮሓንስ ከዓ ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን ኣነ መእሰሪ ኣሣእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና ይመጽእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ።
[17] ንሱ ዓውዱ ዘጽርየሉ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ ኣብ ኢዱ ኂዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃጽሎ እዩ ኢሉ መለሰሎም።
[18] ካልእውን ብዙኅ ነገር ነቶም ሕዝቢ ይምህሮምን የብሥሮምን ነበረ።
[19] እንተኾነ ዮሓንስ ንንጉሥ ሄሮድስ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ይግሥጾ ስለ ዝነበረ
[20] ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዂሉ ወሲኹ ንዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ።
[21] እቲ ሕዝቢ ዂሉ ምስ ተጠመቐ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ኽጽሊ እንተሎ ሰማይ ተኸፍተ።
[22] መንፈስ ቅዱስ ከዓ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ ዝብል ድምፂውን ካብ ሰማይ መጸ።
[23] ኢየሱስ ምምሃር ክጅምር እንተሎ ወዲ ሠላሳ ዓመት ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤ ዮሴፍውን
[24] ወዲ ኤሊ ወዲ ማቲ ወዲ ሌዊ ወዲ ሜልኪ ወዲ ዮና ወዲ ዮሴፍ
[25] ወዲ ማታትዩ ወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆም ወዲ ኤሴሊ ወዲ ናጌ
[26] ወዲ ማኣት ወዲ ማታትዩ ወዲ ሴሜይ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ዮዳ
[27] ወዲ ዮናን ወዲ ሬስ ወዲ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትኤል ወዲ ኔሪ
[28] ወዲ ሜልኪ ወዲ ሓዲ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም ወዲ ኤልሞዳም ወዲ ኤር
[29] ወዲ ዮሴዕ ወዲ ኤልአዛር ወዲ ዮራም ወዲ ማጣት ወዲ ሌዊ
[30] ወዲ ስምዖን ወዲ ይሁዳ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም
[31] ወዲ ሜልያ ወዲ ማይናን ወዲ ማጣት ወዲ ናታን ወዲ ዳዊት
[32] ወዲ እሴይ ወዲ ኢዮቤድ ወዲ ቦኤዝ ወዲ ሰልሞን ወዲ ነኣሶን
[33] ወዲ ኣሚናዳብ ወዲ ኣራም ወዲ ኣሮኒ ወዲ ኤስሮም ወዲ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ
[34] ወዲ ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ወዲ ታራ ወዲ ናኮር
[35] ወዲ ሴሮኅ ወዲ ራግው ወዲ ፋሌቅ ወዲ ኤቤር ወዲ ሳላ
[36] ወዲ ቃይንም ወዲ ኣርፋክስድ ወዲ ሴም ወዲ ኖኅ ወዲ ላሜህ
[37] ወዲ ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ ወዲ ያሬድ ወዲ መላልኤል ወዲ ቃይናን
[38] ወዲ ሄኖስ ወዲ ሴት ወዲ ኣዳም ወዲ እግዚኣብሔር።