Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:33

[1] ቃል ብመጀመርታ ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሔር ነበረ።

[2] ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ።

[3] ብእኡ ዂሉ ተፈጥረ፤ ካብቲ ዂሉ ዝተፈጥረ ድማ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝተፈጥረ የለን።

[4] ሕይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ሕይወት ከዓ ብርሃን ሰብ ነበረት።

[5] ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፤ ጸልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።

[6] ብእግዚኣብሔር ዝተልኣኸ ዮሓንስ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።

[7] ንሱ ምስክር ኮይኑ ዂሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መጸ።

[8] ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መጸ እምበር ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።

[9] እቲ ንዂሉ ሰብ ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን ግና እቲ ናብ ዓለም ዝመጸ እዩ።

[10] ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ተፈጥረ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን።

[11] ናብቶም ናቱ መጸ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን።

[12] ነቶም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ኲሎም ግና ውሉድ እግዚኣብሔር ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም።

[13] ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተወለዱ እምበር ካብ ደም ወይ ካብ ፍትወት ሥጋ ወይ ካብ ድልየት ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።

[14] እቲ ቓል ሥጋ ኾነ፤ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ኃደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ ኽብሩ ረአና።

[15] ዮሓንስ ብዛዕባኡ እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ቅድመይ ስለ ዝነበረ ንሱ ኻባይ የዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ።

[16] ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።

[17] ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ።

[18] ንእግዚኣብሔርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዱ ደኣ ገለጾ እምበር።

[19] ኣይሁድ ንስኻ መን ኢኻ? ኢሎም ክጥይቕዎ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ናብኡ ምስለኣዂሉ ናይ ዮሓንስ ምስክርነት እዙይ እዩ፦

[20] ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን! ኢሉ መስከረ እምበር ኣይከሓደን።

[21] ንሳቶም ድማ መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ? ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኣይኮንኩን! በለ። እቲ ነቢይ ዲኻ? ንሱ ኸዓ ኣይኮንኩን! ኢሉ መለሰሎም።

[22] ሽዑ ንሳቶም መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ ብዛዕባኻ መን እየ ትብል? በልዎ።

[23] ዮሓንስ ከዓ ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ መንገዲ እግዚኣብሔር ኣቕንዑ !› እናበለ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ፤ በሎም።

[24] እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ።

[25] ንሳቶም ከዓ እምብኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንድኅር ዘይኮይንካ ደኣ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[26] ዮሓንስ ድማ ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።

[27] እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድኅረይ ዝመጽእ ኣነ መእሰሪ ኣሣእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ ንሱ እዩ፤ ኢሉ መለሰሎም።

[28] እዙይ ኣብቲ ዮሓንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።

[29] ንጽባሒቱ ዮሓንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመጽእ እንተሎ ምስ ረአዮ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ እንሆ! በለ።

[30] እቲ ኣነ ብዛዕባኡ እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ቅድመይ ስለ ዝነበረ ንሱ ኻባይ የመና የዓብየኒ እዩ› ዝበልኩኹም እዙይ እዩ!

[31] ኣነ ኣይፈለጥክዎን፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለጽ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኹ።

[32] ዮሓንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መስከረ፦ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ተቐመጠ።

[33] እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትርእዮ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ› ኢሉኒ ድኣ እምበር ኣነስ ኣይፈለጥክዎን።

[34] ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።

[35] ንጽባሒቱ ድማ ዮሓንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ።

[36] ንኢየሱስ ክኃልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ እንሆ! በለ።

[37] እቶም ደቀ መዛሙርት ዮሓንስ ከዓ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ።

[38] ኢየሱስ ከዓ ግልጽ ኢሉ ኽስዕብዎ እንተለዉ ርእዩ እንታይ ትደልዩ ኣለኹም? በሎም። ንሳቶም ድማ ረቢ! ትርጕሙ መምህር ማለት እዩ ኣበይ ትነብር? በልዎ።

[39] ንሱ ኸዓ ንዑ ርአዩ! በሎም። መጺኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር ረአዩ፤ በታ ዕለት እቲኣውን ምስኡ ወዓሉ፤ ጊዜኡውን ዓሠርተ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።

[40] ካብቶም ዮሓንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተ እቲ ሓደ እንድርያስ ኃው ስምዖን ጴጥሮስ ነበረ።

[41] ንሱ ቕድም ንኃዉ ስምዖን ረኸቦ እሞ ንመሢሕ ረኺብናዮ በሎ። ትርጕሙ ኸዓ ክርስቶስ ማለት እዩ።

[42] ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ ንስኻ ስምዖን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ ኽትብሃል ኢኻ በሎ። ትርጕሙ ጴጥሮስ ማለት እዩ።

[43] ንጽባሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፤ ንፊልጶስ ከዓ ረኸቦ እሞ ተኸተለኒ በሎ።

[44] ፊልጶስ ከዓ ካብ ቤተ ሳይዳ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ።

[45] ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሓፉሉ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ፤ በሎ።

[46] ናትናኤል ድማ ካብ ናዝሬትዶ ሠናይ ክርከብ ይከኣል እዩ? በሎ። ፊልጶስውን ነዓ ረአ! በሎ።

[47] ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመጽእ እንተሎ ምስ ረአዮ፤ ብዛዕባኡ እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ናይ ሓቂ እስራኤላዊ! በለ።

[48] ናትናኤል ድማ ኣበይ ትፈልጠኒ? በሎ። ኢየሱስ ከዓ ፊልጶስ እንተይጸውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ርእየካ ኢሉ መለሰሉ።

[49] ናትናኤል ድማ መምህር! ንስኻ ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉሥ እስራኤል ኢኻ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[50] ኢየሱስ ድማ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[51] ኣስዒቡ ኸዓ ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ መላእኽቲ እግዚኣብሔርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክድይቡን ክወርዱን ከም እትርእዩ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters