Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:25

[1] ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይኃልፍ ነበረ።

[2] እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረጽ ዝኾነ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ

[3] ኢየሱስ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ክርእዮ ይደሊ ነበረ። ቁመቱ ሓፂር ስለ ዝነበረ ግና ካብ ብዝኂ እቲ ሕዝቢ ዝተልዓለ ኽርእዮ ኣይከኣለን።

[4] ምኅላፉ ብኣኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽርእዮ ንቕድሚት ጐይዩ ናብ ሳግላ ደየበ።

[5] ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ ቕንዕ ኢሉ ጠሚቱ ዘኬዎስ! ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ ቐልጢፍካ ውረድ በሎ።

[6] ቐልጢፉ ወረደ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ።

[7] እዙይ ምስ ረአዩ ድማ ኣብ እንዳ ኃጢኣተኛ ሰብኣይ ክውዕል ኣትዩ ኢሎም ኲላቶም ኣጕረምረሙ።

[8] ዘኬዎስ ከዓ ተሢኡ ንጐይታ ጐይታይ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተልዩውን ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ በሎ።

[9] ኢየሱስ ድማ ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ ድኅነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም ኢዩሞ።

[10] ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድኅንን እዩ ዝመጸሞ በሎ።

[11] ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።

[12] ከምዙይ ድማ በለ፦ ሓደ ኽቡር ሰብ መንግሥቲ ተቐቢሉ ኽምለስ ናብ ርኁቕ ሃገር ከደ።

[13] ንዓሠርተ ኣገልገልቱ ጸዊዑ ኸዓ ክሳዕ ዝመጽእ በዙይ ንገዱ› ኢሉ ዓሠርተ ምናናት ሃቦም።

[14] ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግሥ ኣይንደልን ኢና› ኢሎም ደድኅሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።

[15] መንግሥቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ ድማ ኽንደይ ዝኣክል ነጊዶም ከም ዘትረፉ ኽፈልጥ ደልዩ ነቶም ምናናት ዝሃቦም ክጽውዑ ሉ ኣዘዘ።

[16] እቲ ቐዳማይ መጺኡ ጐይታይ! እታ ምናንካ ኻልእ ዓሠርተ ትርፊ ረኺበላ በሎ።

[17] ንሱ ኸዓ ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ! ጽቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ ኣብ ዓሠርተ ኸተማ ሸይመካ ኣለኹ› በሎ።

[18] እቲ ኻልኣይ ድማ ጐይታይ! እታ ምናንካ ኻልእ ኃሙሽተ ትርፊ ረኺበላ› እናበለ ቐረበ።

[19] ነዙይ ድማ ንስኻውን ኣብ ኃሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ› በሎ።

[20] -

[21] እቲ ሣልሳይ ድማ ጐይታይ! ዘየንበርካዮ እተልዕል ዘይዘራእኻዮ እትዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ፈሪኀ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕኽዋ ምናን እኒሀትልካ› እናበለ ቐረበ።

[22] ንሱ ድማ ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል ዘይዘራእኽዎ ዝዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ድኣ

[23] ስለምንታይ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ዘየእተኻዮ? ኣነ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ› በሎ።

[24] ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዓ እታ ምናን ኣኅድግዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ዘለዎ ሃብዎ!› በሎም።

[25] ንሳቶም ከዓ ጐይታይ! እቱይስ ዓሠርተ ምናን ኣለዎ› በልዎ።

[26] ንሱ ድማ ንዘለዎ ይወሃቦ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ከኅድግዎ እዮም እብለኩም ኣለኹ።

[27] ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ክነግሥ ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዙይ ኣምጺእኹም ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም› በለ።

[28] ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ቀቅድሚኦም ከደ።

[29] ጥቓ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ናብ ዝርከባ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ኸምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦

[30] ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣተኹም ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ጻዕቢ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምጽእዎ።

[31] ዝኾነ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?› ኢሉ እንተ ጠየቐኩም ከዓ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ› በልዎ።

[32] እቶም ዝተልኣኹ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ።

[33] ንሳቶም ነቲ ጻዕቢ ኽፈትሕዎ እንተለዉ ዋናታቱ ነዝ ጻዕቢ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም? በልዎም።

[34] ንሳቶም ድማ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ በልዎም።

[35] ናብ ኢየሱስውን ኣምጽእዎ። ልዕሊ እቲ ጻዕቢ ኽዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸዓ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣቐመጥዎ።

[36] ንሱ ክኸይድ እንተሎ ኽዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ።

[37] ናብ ቝልቊል ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ እቶም ንኢየሱስ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ዂሎም በቲ ዝረአይዎ ዂሉ ኃይልታት ክሕጐሱን ንእግዚኣብሔር ብዓብዪ ድምፂ ኸመስግንዎን ጀመሩ።

[38] እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ንጉሥ ቡሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ ክብሪ ኣብ ኣርያም እውን ይብሉ ነበሩ።

[39] ኣብ ማእኸል እቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን መምህር! ንደቀ መዛሙርትኻ ገሥጾም በልዎ።

[40] ንሱ ድማ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ክጸርሑ እዮም እብለኩም ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም።

[41] ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፤ ምስ ረአያ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ በኸየላ፦

[42] አየ ንስኺ በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ነገር ፈሊጥክዮ እንተትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።

[43] ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓጹር ሓጺሮም ከቢቦም በዙይን በቱይን ንዓኪ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመጽእ እዩ።

[44] ዘመን ድኅነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይኃድጉልክን እዮም።

[45] ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ

[46] ቤተይ ቤተ ጸሎት ክትከውን እያ› ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዋ እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ።

[47] ዕለት ዕለትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራንን ዓበይቲ ሕዝብን ግና ኽቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።

[48] እቲ ዂሉ ሕዝቢ ግና ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ ዝገብርዎ ሰኣኑ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters