ወንጌል ሉቃስ 5
[1] ብዙኃት ሕዝቢ ቓል እግዚኣብሔር ክሰምዑ ናብኡ እናተደፋፍኡ እንተለዉ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።
[2] ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ኽልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣሥገርቲ ዓሣ ድማ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም የሓጽቡ ነበሩ።
[3] ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓንቲአን ኣብታ ናይ ስምዖን ጃልባ ደይቡ ኻብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቅ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ሕዝቢ ይምህሮም ነበረ።
[4] ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምዖን ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቅርብ በል እሞ ዓሣ ኽተሥግሩ መርበብኩም ኣውርዱ በሎ።
[5] ስምዖን ድማ መምህር! ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝኃዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና ነዝ መርበብ አውርዶ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ።
[6] ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ ብዙኃት ዓሣታት ኃዙ።
[7] ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብጾቶም መጺኦም ክሕግዝዎም ጸውዕዎም። መጺኦም ድማ ኽልቲአን ጃልባታት ንምስጣም ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።
[8] ስምዖን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ ጐይታይ! ኣነ ኃጥእ ሰብ እየ እሞ ካባይ ርሕቕ በል በሎ።
[9] እዙይ ከዓ ንሱን ኲሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን በቲ ኸሥግሩ እንተለዉ ዝኃዝዎ ዓሣ ስለ ዝተገረሙ እዩ።
[10] ከምኡውን እቶም ብጾት ስምዖን ዝነበሩ ደቂ ዘብዴዎስ ያዕቆብን ዮሓንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምዖን ኣይትፍራኅ! ካብ ሕዚ ንደኃር ኣሥጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ በሎ።
[11] ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም ንዂሉ ኃዲጎም ተኸተልዎ።
[12] ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓንቲአን እንተሎ እንሆ ኲሉ ሰብነቱ ለምጺ ዝኃዞ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መጸ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ ብግምባሩ ተደፊኡ ጐይታይ እንተ ፈቒድካስ ክተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ ኢሉ ለመኖ።
[13] ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ፍቓደይ እዩ፤ ንጻህ! ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምጺ ዝኃዞ ሰብ ድማ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ።
[14] ንሱ ኸዓ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፤ ስለ ዝነጻህኻ ድማ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መሥዋዕቲ ኣቕርብ እምበር ንሓደኳ ኣይትንገር ኢሉ ኣዘዞ።
[15] ዝናኡ ግና የመና ገኒኑ ተሰምዐ፤ ብዙኃት ሕዝቢውን ክሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ክፍወሱን ናብኡ ተኣከቡ።
[16] ንሱ ግና ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ይጽሊ ነበረ።
[17] ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ክምህር እንተሎ ኻብ ኲሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዘሕውየሉ ኃይሊ እግዚኣብሔር ምስኡ ነበረ።
[18] እንሆ ኸዓ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምጽኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእትዮምውን ንኽፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።
[19] ካብ ብዝኂ ሰብ ዝተልዓለ ኸመይ ገይሮም ከም ዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ነቲ ሠርወ ኣልዒሎም ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ።
[20] ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ርእዩ ኣታ ሰብኣይ! ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ እዩ በሎ።
[21] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና እዝ ንእግዚኣብሔር ዝጸርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሔርከ ኃጢኣት ክኃድግ ዝኽእል መን እዩ? እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ።
[22] ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ ስለምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ?
[23] ኣየናይ ይቐልል? ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ እዩ› ምባልዶ ወይ ተሢእኻ ኺድ› ምባል?
[24] እምበኣር ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢኣት ክኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ ነቲ መፃጕዕ ንኣኻ ግና እብለካ ኣለኹ ተሥእ እሞ ዓራትካ ተሸኪምካ ናብ ገዛኻ ኺድ! በሎ።
[25] ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ተሸኪሙ ንእግዚኣብሔር እናመስገነ ናብ ገዝኡ ኸደ።
[26] ኲሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርኃትውን ኃደሮም፤ ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና እናበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስገንዎ።
[27] ድኅርዙይ ካብኡ ምስ ወፀ ሌዊ ንዝብሃል ተቐባሊ ቐረጽ ኣብ መቐበል ቀረጽ ተቐሚጡ ረአየ እሞ ተኸተለኒ! በሎ
[28] ተሢኡ ኸዓ ንዂሉ ኃዲጉ ተኸተሎ።
[29] ሌዊ ድማ ንኢየሱስ ኣብ ገዝኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽን ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
[30] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ስለምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ትበልዑ ን ትሰትዩን ኣለኹም? እናበሉ ኣጕረምረሙ።
[31] ኢየሱስ ከዓ ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑ ያት ኣይደልይዎን እዮም።
[32] ንኃጥኣን ናብ ንስሓ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኹን ኢሉ መለሰሎም።
[33] ንሳቶም ድማ ደቀ መዛሙርት ዮሓንስ ብዙኅ ጊዜ ይጾሙ፤ ጸሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለምንታይ ይበልዑ ን ይሰትዩን በልዎ።
[34] ኢየሱስ ከዓ ኣዕርኽቲ መርዓዊ እቲ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽጾሙ ኣይኽእሉን።
[35] ግና እቲ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደሉ ጊዜ ኽመጽእ እዩሞ ሽዑ በተን መዓልትታት እቲኣተን ክጾሙ እዮም በሎም።
[36] ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም ሓድሽ ቊራጽ መልገባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደኳ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይሰማማዕ እቲ ሓድሽ ቊራጽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ።
[37] ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ሐርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፤ እቲ ሐርቢ ድማ ይበላሾ።
[38] ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ።
[39] ከራሚ ወይኒ እናሰተየ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑ ም ይብል እምበር ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።