Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 10:09

[1] ድኅርዙይ ድማ ኢየሱስ መንግሥቲ እግዚኣብሔር እናሰበኸን እናብሠረን በብኸተማታትን በብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱውን ምስኡ ነበሩ።

[2] ከምኡውን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዘሕወየን ኣንስቲ ነበራ፤ ንሳተንውን እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወፁላ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም

[3] ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ ሶስና ብገንዘበን ዘገልገላኦም ካልኦት ብዙኃትውን ምስኡ ነበራ።

[4] ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ተኣከበ ሰባትውን ካብ ዝተፈላለየ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦

[5] እንሆ ዘራኢ ዘርኢ ኽዘርእ ወፈረ፤ ክዘርእ እንተሎ ድማ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐሞ ተረገጸ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዐኦ።

[6] ገሊኡ ኸዓ ኣብ ኰዂሒ ወደቐ፤ ምስ በቖለ ድማ ራሕሲ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ።

[7] ገሊኡውን ኣብ ማእኸል እሾዂ ወደቐ፤ እቲ እሾዂ ምስኡ ዓብዩ ሓኒ።

[8] ካልእ ኸዓ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዙይ ምስ በለ ዓው ኢሉ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! በሎም።

[9] ደቀ መዛሙርቱ ድማ እዝ ምሳሌ እዙይ እንታይ ማለት እዩ በልዎ?

[10] ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ምፍላጥ ምሥጢራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩ እናሰምዑ ውን ከየስተውዕሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም በሎም።

[11] ናይዝ ምስላ እዙይ ትርጕም ከዓ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ ቓል እግዚኣብሔር እዩ።

[12] እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ምስላ ናይቶም ቃሉ ዝሰምዑ እዩ፤ ኣሚኖም ምእንቲ ኸይድኅኑ ኢሉ ሽዑ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።

[13] እቲ ኣብ ኰዂሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር ሡር ስለ ዘይብሎም ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም።

[14] እቲ ኣብ እሾዂ ዝወደቐ ኸዓ እቶም ምስ ሰምዑ ከይዶም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ ኣብ ፍረ ዘይበጽሑ እዮም።

[15] እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን ብትዕግሥቲውን ፍረ ዘፍርዩ እዩ።

[16] እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ ንመብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ በሪኽ ዘቐምጦ እምበር በቕሓ ዝኸድኖ ወይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዘንብሮ ሓደኳ የለን።

[17] እምብኣር ዘይገሃድ ኅቡእ ዘይፍለጥን ናብ ግሉጽ ዘይወፅእን ሥዉር ከቶ የለንሞ።

[18] እምበኣር ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ።

[19] እኖኡን ኣኅዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፤ ብምኽንያት ብዝኂ ሕዝቢ ግና ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።

[20] እኖኻን ኣኅዋትካን ክርእዩኻ ደልዮም ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ ኢሎም ነገርዎ።

[21] ኢየሱስ ከዓ እኖይን ኣኅዋተይንስ እዞም ንቓል እግዚኣብሔር ዝሰምዕዎን ዝገብርዎን እዮም ኢሉ መለሰሎም።

[22] ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ንዑ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር በሎምሞ ኸዱ።

[23] ብጃልባ እናኸዱ እንተለዉ ኸዓ ኢየሱስ ደቀሰ፤ ኣብቲ ባሕሪ ድማ ንፋስ ኣውሎ ተልዓለ፤ ነታ ጃልባኦምውን ማይ መልኣ፤ ንሳቶም ድማ ተጨነቑ።

[24] ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም መምህር! መምህር! ጠፋእና ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሢኡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሠጾምሞ ጸጥ በሉ፤ ህድኣትውን ኮነ።

[25] ሽዑ እቲ እምነትኩም ድኣ አበየሎ? በሎም። ንሳቶም ድማ ፈርኁን ተደነቑን፤ ንስንሳቶምውን እዝ ንባሕርን ንንፋስን ዝእዝዝ ንሳቶም ድማ ዝእዘዙሉ መን እዩ? ተበሃሃሉ።

[26] ድኅርዙይ ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ እትርከብ ጌርጌሴኖን ብጃልባ ተሳገሩ።

[27] ኢየሱስ ካብ ጃልባ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ወፂኡ ተራኸቦ። ንሱ ኸዓ ንነዊኅ ዘመን ክዳን ዘይኽደን ኣብ መቓብር እምበር ኣብ ገዛ ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።

[28] ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ ወዲቑ ሰገደሉ፤ ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑ ል እግዚኣብሔር! ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ አማኅፅነካ ኣለኹ እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ጸርሐ።

[29] ኢየሱስ ድማ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወፅእ ኣዘዞ። ብዙኅ እዋን ይለዓሎ ስለ ዝነበረ ድማ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። እንተኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበትኮ ነቲ መቝሕውን ይሰብሮ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ናብ በረኻ ክኸይድ የዳፍኦ ነበረ።

[30] ኢየሱስ ድማ ስምካ መን እዩ? ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ ብዙኃት ኣጋንንቲ ኃዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ ለጌዎን በለ።

[31] ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።

[32] ኣብኡ ድማ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ እምባ ተዋፊሩ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ንኽኣትዉ ኽፈቕደሎም ለመንዎ፤ ንሱውን ፈቐደሎም።

[33] እቶም ኣጋንንትውን ካብቲ ሰብኣይ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፤ እተን ሓሰማታት ድማ በርጊገን በቲ ጸድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።

[34] እቶም ጓሶት ከዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣትዮምውን ኣውረዩ።

[35] እቶም ሕዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ክርእዩ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መጺኦም ከዓ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርኁ።

[36] እቶም ዝረአይዎ ድማ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ነገርዎም።

[37] እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ሕዝቢ ብምሉኦም ዓብዪ ፍርኃት ስለ ዝኃዞም ካብ ዓዶም ክወፅእ ንኢየሱስ ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ጃልባ ደይቡ ተመለሰ።

[38] እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ክኸውን ንኢየሱስ ለመኖ። ኢየሱስ ግና

[39] ናብ ገዛኻ ተመለስ፤ እቲ እግዚኣብሔር ዝገበረልካ ዓብዪ ነገር ድማ ንገር! ኢሉ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ ኸይዱ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ዂሉ ንብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።

[40] ኢየሱስ ምስ ተመለሰ ዂሎም እቶም ሕዝቢ ይጽበይዎ ነበሩ እሞ ብሓጐስ ተቐበልዎ።

[41] እንሆ ድማ ኢያኢሮስ ዝስሙ ሰብ መጸ፤ ንሱውን መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ነበረ፤ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቑ ድማ ናብ ገዝኡ ኽኣቱ ለመኖ።

[42] ንሱ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ፤ ንሳውን ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ምስኡ ክኸይድ እንተሎ እቶም ሕዝቢ ይዳፋፍእዎ ነበሩ።

[43] ካብ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ሰበይቲ ድማ መጸት፤ ንሳ ዂሉ ገንዘባ ንሓኻይም ሂባ ወድአት፤ እንተኾነ ሓደ እኳ ከሕውያ ኣይከኣለን።

[44] ብድኅሪ ኢየሱስ ቀሪባ ዘፈር ኽዳኑ ነኽአት፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ እቲ ምፍሳስ ደማ ኣቋረጸ።

[45] ኢየሱስ ከዓ መን እዩ ዝነኽአኒ? በለ። ኲሎም ኣይፈለጥናን ምስ በሉ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ መምህር እዞም ሕዝቢ ይዳፋፍኡኻን ይጸቓቐጡኻን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ መን እዩ ዝነኽአኒ ትብል?› በሎ።

[46] ኢየሱስ ግና ካባይ ኃይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ዝነኽአንስ ኣሎ በሎ።

[47] እታ ሰበይቲ ድማ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረአየት እናንቀጥቀጠት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ሕዝቢ ድማ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝነኽአቶ ሽዑ ንሽዑ ውን ከም ዝሓወየት ነገረት።

[48] ንሱ ኸዓ ጓለይ! እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ ብሰላም ኪዲ በላ።

[49] ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ሓደ ሰብ ካብ እንዳ እቲ መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ መጺኡ ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ በሎ።

[50] ኢየሱስ ግና ሰሚዑ ኣይትፍራኅ፤ እመን ደኣ፤ ጓልካስ ክትሓዊ እያ በሎ።

[51] ኣብቲ ገዛ ምስ በጽሐ ድማ እንትርፊ ጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣኖኣን ሓደኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን።

[52] ኲሎም ድማ ይበኽዩላን ዋይ ዋይ ይብሉላን ነበሩ፤ ሽዑ ኢየሱስ ኣይትብከዩ፤ እዛ ሕፃን ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን በሎም።

[53] ንሳቶም ግና ኸም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ ሰሓቕዎ።

[54] ንሱ ኸዓ ንዂሎም ናብ ደገ ኣውፂኡ ብኢዳ ኂዙ ኣቲ ቖልዓ! ተሥኢ! በላ።

[55] ሽዑ ትንፋሳ ተመለሰት እሞ ብቕጽበት ተሥአት፤ ዝብላዕ ኽህብዋ ድማ ኣዘዘ።

[56] እቶም ወለዳ ገረሞም፤ ንሱ ግና ነቲ ዝኾነ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters