Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 9:13

[1] ኣእላፋት ሕዝቢ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝጸቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፤ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን ንሱውን ካብ ግብዝና ርእስኹም ሓልዉ።

[2] ዘይቕላዕ ኽዱን ዘይፍለጥ ኅቡእ የለን።

[3] ስለዙይ እቲ ኣብ ጸልማት ዝተዛረብኩምዎ ዂሉ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።

[4] ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ሥጋ ንዝቐትሉ ኣይትፍርኅዎም፤ ካብኡ ኃሊፎም ዝገብርዎ የብሎምንሞ።

[5] ኣነ ግና ንመን ከም እትፈርኁ ኸጠንቅቐኩም፤ ነቲ ምስ ቀተለ ናብ ገሃነም ክድርቢ ሥልጣን ዘለዎ ንእኡ ፍርኁ። እወ ንእኡ ፍርኅዎ እብለኩም ኣለኹ።

[6] ኃሙሽተ ኣዕዋፍ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣይትርሳዕን እያ።

[7] ንስኻትኩምስ ኲለን ፀጕሪ ርእስኹምውን ቊጹራት እየን። እምበኣርከስ ካብ ብዙኃት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርኁ።

[8] ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሔር ክምስክረሉ እየ።

[9] እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሔር ክኽሕዶ እየ።

[10] ኣንፃር ወዲ ሰብ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ክኅደገሉ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸርፍ ግና ኣይኅደገሉን እዩ።

[11] ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ሥልጣንን እንተ ወሰዱኹም ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።

[12] በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከምትምልሱን እንታይ ከምትናገሩን መንፈስ ቅዱስ ክገልጸልኩም እዩሞ።

[13] ሓደ ኻብቶም ሕዝቢ ድማ መምህር! ንኃወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ በሎ።

[14] ኢየሱስ ከዓ ኣታ ሰብኣይ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ? በሎ።

[15] ኣስዒቡውን ሕይወት ሰብ ብብዝኂ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኲሉ ስስዐ ተዓቀቡ በሎም።

[16] ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ ገራሁኡ ብዙኅ ዘፍረየሉ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤

[17] እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?› ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።

[18] ከምዙይ ድማ በለ፦ እቲ ናይ ቅድም ማዕኸነይ ኣፍሪሰ ኣግፊሐ ኽሠርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዂሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ።

[19] ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙኅ ዓመታት ዝኣክል ብዙኅ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ኽብላ እየ› በለ።

[20] እግዚኣብሔር ግና ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?› በሎ።

[21] እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዝእክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግና ሃብታም ዘይኮነ ኸምኡ እዩ።

[22] -

[23] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ ስለዙይ ካብ ምግቢ ሕይወት ተዓቢ፤ ካብ ክዳንውን ሰብነት እዩ ዝዓቢሞ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።

[24] እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሔር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓጽዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ እምብዛ ኣይትበልጹን!

[25] ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዝኽእል መን ኣሎ?

[26] እዝ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ድኣ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ?

[27] ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይጽዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ከም ሓደ ኻብኣቶም ኣይተኸድነን።

[28] እግዚኣብሔር ነዝ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሣዕሪ በረኻ ኸምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚኁ ዘይኸድነኩም?

[29] ንስኻትኩም ከዓ እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?› ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን።

[30] ነዝ ዂሉስ ኣሕዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዂሉ ከም ዘድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

[31] ንስኻትኩምስ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዂሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ።

[32] ኣቱም ንኡስ መጓሰ ኣቦኹም መንግሥቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ ኣይትፍርኁ።

[33] ጥሪትኩም ሸይጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ ዘይበሊ ሙዳይን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።

[34] ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ።

[35] ሕቖኹም ዕጡቕ መብራህትኹም ብሩህ ይኹን።

[36] ንስኻትኩምውን ከምቶም ጐይትኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝጽበይዎ እሞ መጺኡ ምስ ኳሕዂሐ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ።

[37] እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁዓን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም እማን እብለኩም ኣለኹ።

[38] ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሣልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ መጺኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁዓን እዮም።

[39] ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ ምነቕሐ ገዝኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።

[40] ንስኻትኩምውን ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመጽእ እዩ እሞ ተዳሊኹም ንበሩ።

[41] ጴጥሮስ ከዓ ጐይታይ! እዝ ምስላ እዙይስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘለኻ ወይ ንዂሉ ኢኻ? በሎ።

[42] ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም ጐይትኡ ኣብ ሥድራ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?

[43] እቲ ጐይትኡ ኽምለስ እንተሎ ኸምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁዕ እዩ።

[44] ኣብ ልዕሊ ዂሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[45] እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ምምጻእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ› ኢሉ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ ክበልዕ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና

[46] ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን መጺኡ ኽቐጽዖ ዕድሉ ኸዓ ምስቶም ዘኣምኑ ኽገብሮ እዩ።

[47] እቲ ፍቓድ ጐይትኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ ብዙኅ መቕጻዕቲ ኽቕጻዕ እዩ።

[48] እቲ እንተይፈለጠ ንመቕጻዕቲ ዘብጽሕ ግብሪ ዝገበረ ግና መቕጻዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙኅ ንዝሃብዎ ብዙኅ ይጽበዩዎ፤ ብዙኅ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ ኣብዚሖም ይጽበዩዎ።

[49] ሓዊ ኸምጽእ እየ ናብ ምድሪ ዝመጻእኹ፤ ቀልጢፋ ዘይምንዳዳ እንታይ እደሊ!

[50] ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ኽሳዕ ዝፍጸም ዕረፍቲ የብለይን።

[51] ናብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር።

[52] ካብ ሕዚ ንደኃር ኃሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተሃለዉ ሠለስተ ኻብ ክልተ ኽልተ ድማ ኣንፃር ሠለስተ ኽፈላለዩ እዮም።

[53] ኣቦ ኣንፃር ወዱ ወድውን ኣንፃር ኣቦኡ እኖ ኣንፃር ጓላ ጓልውን ኣንፃር እኖኣ ሓማት ኣንፃር ሰበይቲ ወዳ ሰበይቲ ወዲውን ኣንፃር ሓማታ ኽፈላለዩ እዮም።

[54] ነቶም ሕዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ደመና ብወገን ምዕራብ ድብንብን እንትብል ምስ ረአኹም ሽዑ ዝናም ክዘንም እዩ ትብሉ፤ ኸምኡ ድማ ይኸውን።

[55] ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ኸምኡ ድማ ይኸውን።

[56] ኣቱም ግብዛት ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ?

[57] ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ?

[58] መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተወሰደካ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሐካ እቲ ፈራዲ ኸዓ ንወታደር ኣኅሊፉ ኸይህበካ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ ኣብ መንገዲ እንተለኻ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር።

[59] እንተ ዘይኮነ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ ኻብኣ ኸምዘይትወጽእ እነግረካ ኣለኹ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters