ወንጌል ሉቃስ 20
[1] ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ንሕዝቢ ኽምህሮምን ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ምስ ዓበይቲ ሕዝቢ ኾይኖም ናብኡ መጺኦም
[2] በየናይ ሥልጣን ኢኻ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ሥልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና? ኢሎም ጠየቕዎ።
[3] ንሱ ድማ፦ ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ።
[4] ጥምቀት ዮሓንስ ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ? በሎም።
[5] ንሳቶም ከዓ ካብ ሰማይ› እንተ በልናዮ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?› ኽብለና እዩ።
[6] ካብ ሰብ› እንተ በልናዮ ኲሉ ሕዝቢ ዮሓንስ ነቢይ ምዃኑ የኣምን እዩ እሞ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ።
[7] ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ።
[8] ኢየሱስ ከዓ ኣነውን በየናይ ሥልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ በሎም።
[9] ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ ሓደ ሰብኣይ አታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ እዋንውን ጸንሐ።
[10] ኣብ እዋን ፍርያት ድማ ኻብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና ቐጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
[11] ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
[12] መሊሱ ኸዓ ሣልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ።
[13] ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ የኃፍርዎ ግዲ ይኾኑ› በለ።
[14] እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ ንዑ ንቕተሎ› ተበሃሃሉ።
[15] ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸ እንታይ ይገብሮም?
[16] መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ይህቦ በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ ኸምዙይስ አይኹን ድኣ በሉ።
[17] ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መዓዝን ኮነ› ዝብል ጽሑፍ እንታይ ማለት ድዩ?
[18] ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ዂሉ ኽስበር እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ ኽጭፍለቕ እዩ በሎም።
[19] ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ በታ ሰዓት እቲኣ ኽኅዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ሕዝቢ ፈርኁ።
[20] ተጸናጺኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ ናብቲ ሮማዊ በዓል ሥልጣን ንፍርዲ ኣኅሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ ቕኑዓት መሲሎም ዝጸናጸኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።
[21] እቶም ሰለልቲ ኸዓ መምህር! ብቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሔር ከም ትምህር ድኣ እምበር ንዝኾነ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።
[22] ንቄሣር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን? ኢሎም ጠየቕዎ።
[23] ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም?
[24] እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ? በሎም። ንሳቶም ከዓ ናይ ቄሣር በልዎ።
[25] ንሱ ድማ እቲ ናይ ቄሣር ንቄሣር እቲ ናይ እግዚኣብሔር ድማ ንእግዚኣብሔር ሃቡ በሎም።
[26] ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክኅዝዎ ስለ ዘይከኣሉ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።
[27] ካብቶም ትንሣኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኦም ናብኡ መጺኦም
[28] ኦ መምህር ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ ውሉድ ከይኃደገ እንተሞተ ኃዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ ንኃዉ ዘርኢ የቑመሉ› ኢሉ ሙሴ ጽሒፉልና ኣሎ።
[29] እምበኣር ሸውዓተ ኣኅዋት ነበሩ፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ።
[30] እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ።
[31] እቲ ሣልሳይ ድማ ኣእተዋ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ ውሉድ እንተይኃደጉ ሞቱ።
[32] ድኅሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።
[33] እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሣኤ ሙታን ሰበይቲ ኣይንኦም ክትከውን እያ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[34] ኢየሱስ ከዓ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም።
[35] እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሣኤ ሙታንን ምውራስ ዝበቕዑ ግና ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።
[36] ከም መላእኽቲ ስለ ዝኾኑ ድኅሪኡ ኽሞቱ ኣይኽእሉን እዮም። ደቂ ትንሣኤ ስለ ዝኾኑ ድማ ደቂ እግዚኣብሔር እዮም።
[37] ሙታን ከም ዝትሥኡ ግና ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሔር ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ› ኢሉ ብምጽሓፍ ኣፍለጠ።
[38] እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሕያዋን እምበር ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዂሎም ሕያዋን እዮም እሞ በሎም።
[39] ገሊኦም መምህራን ሕጊ መምህር ጽቡቕ ተዛሪብካ ኢሎም መለሱሉ።
[40] ካብኡ ንደኃር ግና ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን።
[41] ብድኅርዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ ከመይ ኢሎም እዮም ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ?
[42] -
[43] ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ ትሕቲ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ› በሎ› ይብል።
[44] እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ጐይታይ› ካብ ዝብሎ ድኣ ኸመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?
[45] ኢየሱስ ኲሉ እቲ ሕዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦
[46] ነዊኅ ቀምሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ካብ ዝደልዩ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነሥአሎም ኣብ ቤተ ጸሎት ኣውራ መቐመጢ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ሥፍራ ዝፈትዉ
[47] ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ ንምኽንያትውን ጸሎት ካብ ዘንውኁ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቕጽዓት ክረኽቡ እዮም በሎም።