Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:17

[1] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ መዐንቀፊ ግድን እንተይመጸ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመጽእ ግና ወይለኡ።

[2] ካብዞም አናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምኀሾ።

[3] ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ኃውካ እንተ በደለካ ገሥፆ፤ እንተ ተናስሐ ኅደገሉ፤

[4] ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ ተናሲሐ እናበለውን ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ ይቕረ በለሉ።

[5] ሓዋርያት ድማ ንጐይታ እምነት ወስኸና በልዎ።

[6] ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ ኽንዲ ፍረ ኣድሪ ዘኣክል እምነት እንተዝህልወኩምስ ነዝ ሳግላ ኻብ ሡርካ ተበቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ በሎም።

[7] ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይ ዝጓሲ ሓሽከር ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ ሽዑ ንሽዑ ኽትድረር ተቐመጥ!› ዝብሎ መን እዩ?

[8] ድራር ኣዳልወለይ፤ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከዓ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፤ ድኅሪኡ ንስኻውን ብላዕ ስተ› ዶ ኣይኮነን ዝብሎ?

[9] ወይ ከዓ እቲ ሓሽከር እቱይ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም?

[10] ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም ንሕና ዓቕሚ ዘይብልና ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ› በሎም።

[11] ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ኃለፈ።

[12] ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ ርኂቖም ደው ዝበሉ ዓሠርተ ለምጻማት ተራኸብዎ።

[13] ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን ኦ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ራህርሀልና! በልዎ።

[14] ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም ኪዱ! ርእስኹም ንካህን ኣርእዩ! በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነጽሁ።

[15] ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር እናመስገነ ተመለሰ።

[16] እናመስገኖ ኸዓ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።

[17] ኢየሱስ ከዓ፦ ዝነጽሁ ዓሠርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?

[18] እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን? በለ።

[19] ብድኅርዙይ ተሥእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ በሎ።

[20] -

[21] ፈሪሳውያን መንግሥቲ እግዚኣብሔር መኣዝ እያ እትመጽእ? ኢሎም ምስ ጠየቕዎ መንግሥቲ እግዚኣብሔርስ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያ ኣይብልዋን። መንግሥቲ እግዚኣብሔርስ እኒሃ ኣብ ማእኸልኩም እያ ዘላ ኢሉ መለሰሎም።

[22] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ክመጻ እየን፤ ግና ኣይትርእዩን ኢኹም።

[23] እንሆ ክርስቶስ ኣብዙይ አሎ› ወይ ኣብቱይ ኣሎ› እንተበሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትስዓብዎምውን።

[24] መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን ወዲ ሰብ ዝመጸሉ መዓልቲውን ከምኡ ክኸውን እዩ።

[25] ኣቐዲሙ ግና ብዙኅ መከራ ኽቕበል በዝ ትውልዲ እዙይውን ክነዓቕ ግድን እዩ።

[26] ከምቲ ብዘመን ኖኅ ዝኾነ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።

[27] ክሳዕ እታ ኖኅ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ሰባት ይበልዑ ን ይሰትዩን የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይኂ መጺኡ ድማ ንዂሎም ኣጥፍኦም።

[28] ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ኸምኡ ይበልዑ ን ይሰትዩን ይሸጡን ይዕድጉን ይተኽሉን የሃንጹን ነበሩ።

[29] በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ዘኒሙ ንዂሎም ኣጥፍኦም።

[30] በታ ወዲ ሰብ ዝግለጸላ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ክኸውን እዩ።

[31] በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ናሕሲ ዘሎ ነቲ ኣብ ገዛ ዘሎ ኣቕሑኡ ኽወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን ንድኅሪት ኣይመለስ።

[32] ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።

[33] እቲ ንሕይወቱ ኸድኅና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ ኸድኅና እዩ።

[34] በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ እቲ ሓደ ድማ ኽኅደግ እዩ።

[35] ክልተ ኣንስቲ ብሓባር ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ እታ ኻልአይቲ ግና ኽትኅደግ እያ።

[36] ክልተ ሰብ ኣብ ሓደ ግራት ክሠርሑ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ እቲ ኻልኣይ ክኅደግ እዩ እብለኩም ኣለኹ።

[37] መሊሶም ጐይታይ! ኣበይከ እዩ? በልዎ። ንሱ ኸዓ ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ ኣሞራታት ኣብኡ ኽእከቡ እዮም በሎም።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters