ወንጌል ሉቃስ 23
[1] ሽዑ ዂላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሢኦም ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።
[2] ንሳቶም ድማ እዝ ሰብዙይ ንሕዝብና እንተስሕቶም ንቄሣር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም ባዕሉውን ክርስቶስ ንጉሥ እየ› እናበለ ኽዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።
[3] ጲላጦስ ከዓ ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ዲኻ? ኢሉ ጠየቖ ኣነ ኸም ዝኾንኩ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ ኢሉ መለሰሉ።
[4] ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ሕዝብን ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን በሎም።
[5] ንሳቶም ግና ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብዙይ ኣብ ኲሉ ይሁዳ እናመሃረ ንሕዝቢ የለዓዕል ኣሎ እናበሉ ኣምሪሮም ተናገሩ።
[6] ጲላጦስ ከዓ ገሊላ እንትብሉ ምስ ሰምዐ ገሊላዊ ምዃኑ ጠየቐ።
[7] ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ።
[8] ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙኅ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊኅ እዋን ኂዙውን ክርእዮ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ኬርና ተሓጐሰ።
[9] ብዙኅ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
[10] ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።
[11] ሄሮድስውን ድማ ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።
[12] ጲላጦስን ሄሮድስን ቅድም እንትብል ጽልኢ ነይርዎምስ በታ መዓልቲ እቲኣ ተዓረቑ።
[13] ጲላጦስ ግና ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ንሕዝብን ብሓባር ጸዊዑ ፦
[14] ነዝ ሰብ እዙይ ሕዝቢ የስሕት ኣሎ› ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኹምዎ፤ እንተኾነ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ኽሲ ኣብዝ ሰብ እዙይ ሓንቲ በደልኳ ኣይረኸብኩን።
[15] ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን።
[16] ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ በሎም።
[17] በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ንቡር ነበረሞ።
[18] እቶም ሕዝቢ ድማ ዂላቶም ነዙይ ኣወግዶ ንበርባን ግና ፍትሐልና! እናበሉ ሓቢሮም ጸርሑ።
[19] በርባን ኣብ ከተማ ሁከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።
[20] ጲላጦስ ንኢየሱስ ክፈትሖ ደልዩ ደጊሙ ተዛረቦም።
[21] ንሳቶም ግና ስቐሎ! ስቐሎ! እናበሉ ጸርሑ።
[22] ጲላጦስ ከዓ ንሣልሳይ ጊዜ እንታይ ክፉእ ገበረ? ናብ ሞት ዘብጽሕ ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን፤ ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ በሎም።
[23] ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ክስቀል ለመንዎ፤ ቃሎምን ቃል ሊቃነ ካህናትን ድማ በርትዐ።
[24] ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍጸመሎም ፈረዶ።
[25] ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ኸም ድላዮም ክገብርዎ ኣኅሊፉ ሃቦ።
[26] ንኢየሱስ ኂዞምዎ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ንስምዖን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ኃዝዎ፤ መስቀል ኣሰኪሞም ድማ ደድኅሪኡ ኸም ዝስዕብ ገበርዎ።
[27] ብዙኅ ሕዝቢ ኸዓ ይስዕቦ ነበረ፤ ኣንስቲውን የልቅሳሉን ይበኽያሉን ነበራ።
[28] ኢየሱስ ግና ናብኣተን ግልጽ ኢሉ ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም! ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር ምእንታይስ ኣይትብከያ!
[29] እተን መኻናትን ዘይወለዳ ማኅፀናትን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ብፁዓት እየን፤ ዝብሉለን መዓልትታት ክመጻ እየንሞ።
[30] በቲ ጊዜ እቱይ ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና! ምባል ክጅምሩ እዮም›።
[31] ኣብ ርሑስ ኦም ከምዙይ ዝገበሩስ ኣብቲ ንቑጽ ድኣ ኸመይ ክኸውን እዩ!
[32] ንኽልተ ኸተርቲውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም።
[33] ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ሥፍራ ምስ በጽሑ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ክልተ ኸተርቲ ኸዓ ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ሰቐልዎም።
[34] ኢየሱስ ድማ ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በለሎም፤ በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
[35] እቲ ሕዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፤ እቶም ሹመኛታት ንኻልኦት ዘድኅን ንሱ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሔር ኅሩይ እንተኾይኑስ እስኪ ንባዕሉ የድኅን እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
[36] -
[37] እቶም ወታደራትውን የባጭውሉ ነበሩ፤ ናብኡ ቐሪቦም ድማ ንኽሰትዮ መጺጽ ሃብዎ። ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ እንተዄንካ ርእስኻ ኣድኅን! በልዎ።
[38] ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ እዙይ ንጉሥ ኣይሁድ እዩ ዝብል ጽሑፍ ነበረ።
[39] ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ኸተርቲ ንስኻ ክርስቶስ እንተዄንካስ ንርእስኻን ንኣናን ኣድኅን እናበለ ይሕጭጨሉ ነበረ።
[40] እቲ ኻልኣዩ ግና ኣታ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ ንእግዚኣብሔርዶ ኣይትፈርኅን ኢኻ?
[41] ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና ሓንቲ ኽፍኣት እኳ ኣይገበረን ኢሉ ገሠጾ።
[42] ንኢየሱስ ከዓ፦ ኦ ጐይታ! ብመንግሥትኻ ኽትመጽእ እንተለኻ ዘክረኒ! በሎ
[43] ኢየሱስ ድማ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን እማን እብለካ ኣለኹ በሎ።
[44] ካብ ፍርቂ መዓልቲ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣብ ኲሉ ምድሪ ጸልማት ኮነ።
[45] ፀሓይ ጸልመተት፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስውን ኣብ ክልተ ተተርተረ።
[46] ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማኅፅና ኣለኹ! በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
[47] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ እዝ ሰብኣይ እዙይ ብሓቂ ጻድቕ እዩ ነይሩ እናበለ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነ።
[48] እቶም ክርእዩ ዝተኣከቡ ሕዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ነናብ ገዝኦም ተመለሱ።
[49] እቶም ዝፈልጥዎ ዂሎምን እተን ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝሰዓባኦ ኣንስትን ከዓ ብርኁቕ ደው ኢሎም ነዙይ ይጥምቱ ነበሩ።
[50] እንሆ ዮሴፍ ዝስሙ አባል ባይቶ አይሁድ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብ መጸ።
[51] ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ዝጽበያ ድኣ ነበረ እምበር ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ሕብረት ኣይነበሮን።
[52] ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ኽህቦ ለመኖ።
[53] ኣውሪዱ ኸዓ ብሓድሽ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ሰብ ኣብ ዘይተቐበሮ ውቑር መቓብርውን ቀበሮ።
[54] ሽዑ መዓልቲ ምድላው ድሮ ሰንበት ነበረ።
[55] እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን መቓብሩን እቲ ሥጋኡ ኸመይ ከም ዘንበሩዎን ረአያ።
[56] ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ።