ወንጌል ሉቃስ 2
[1] በቲ ጊዜ እቱይ ኲሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሣር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።
[2] እዝ ምዝገባ እዙይውን ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ ቐዳማይ ምዝገባ እዩ።
[3] ሽዑ ዂሉ ሰብ ነናብ ዓዱ ኽምዝገብ ከደ።
[4] -
[5] ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕጽይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት ክምዝገብ ደየበ።
[6] ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በጽሐ።
[7] በዂሪ ወዳ ወለደት፤ በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሠፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።
[8] ኣብቲ ኸባቢ እቱይ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ ኣብ ወፍሪ ዝኃደሩ ጓሶት ነበሩ።
[9] መልኣኽ እግዚኣብሔር ድማ ተርኣዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርኁ።
[10] እቲ መልኣኽ ድማ እንሆ ንዂሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ አብሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርኁ።
[11] ሎሚ መድኅን ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።
[12] ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕፃን ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም በሎም።
[13] ብድንገት ከዓ ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ንእግዚኣብሔር እናመስገኑ፦
[14] ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ ንሰብውን ጽቡቕ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንዝሕጐሰሎም ሰባት ይኹን! ይብሉ ነበሩ።
[15] እቶም መላእኽቲ ኻብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም ነዝ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክዉን ነገር ክንርኢ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ ተበሃሃሉ።
[16] ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ሕፃንውን ረኸብዎም።
[17] ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕፃን ዝተነግሮም ነገር ኣውረዩ።
[18] እቶም ዝሰምዑ ዂሎም ከዓ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።
[19] ማርያም ግና ነዝ ዂሉ ነገር እዙይ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ተሓስቦን ነበረት።
[20] እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኲሉ ንእግዚኣብሔር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ።
[21] ብሻምናይ መዓልቲ ነቲ ሕፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማኅፀን ከይተጠንሰ እንተሎ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ።
[22] ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ናይ ምንጽሆም እዋን ምስ ኣኸለ ነቲ ሕፃን ናብ እግዚኣብሔር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።
[23] እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር ማኅፀን ወላዲቱ ዝኸፍት ዂሉ በዂሪ ወዲ ንእግዚኣብሔር ዝተቐደሰ ይበሃል ዝብል ተጽሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።
[24] ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጨቓውቲ ርግቢ መሥዋዕቲ የቕርቡሉ ስለ ዝብል እዩ።
[25] እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምዖን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ ምጽንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝጽበ ጻድቕን ንእግዚኣብሔር ዝፈርኅን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኃዲርዎ ነበረ።
[26] ነቲ ናይ እግዚኣብሔር መሢሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሉ ነበረ።
[27] ዮሴፍን ማርያምን ከም ልማድ ሕጊ ኽገብሩሉ ንሕፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምሰእተውዎ፤ ስምዖን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መጸ።
[28] ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ ንእግዚኣብሔር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦
[29] ኦ ጐይታይ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤
[30] ኣዒንተይ ነቲ ምድኃንካ ሪአናኦ እየንሞ
[31] እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ፤
[32] ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ዝገልጽ ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።
[33] ዮሴፍን እኖኡን ግና በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ።
[34] ስምዖን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ እንሆ እዝ ሕፃን እዙይ ኣብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዲምን ምትሣኦምን ዝተሰየመ እዩ፤ ከምኡውን ንዘይቕበልዎ ምልክት እዩ።
[35] በዙይ ናይ ብዙኃት ሓሳባት ልቦም ክግለጽ እዩ፤ ንኣኺ ግና ሰይፊ ንልብኺ ኽስንጥቖ እዩ በላ።
[36] ካብ ነገደ ኣሴር ሓና እትብሃል ጓል ፋኑኤል ኬርና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት።
[37] ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀት ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንእግዚኣብሔር ተገልግል ነበረት።
[38] ሽዑ መጺኣ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነቶ፤ ነቶም ምድኃን ኢየሩሳሌም ዝጽበዩ ዂሎም ከዓ ብዛዕብኡ ተዛረበቶም።
[39] ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ዂሉ ምስ ፈጸሙ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።
[40] እቲ ሕፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጸንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ጸጋ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።
[41] እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።
[42] ኢየሱስ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ ኸምቲ ልማዶም በዓል ከኽብሩ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
[43] ነተን በዓላት ኣኅሊፎም ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ ሕፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ እንተኾነ ዮሴፍን እኖኡን ኣብኡ ምትራፉ ኣይፈለጡን።
[44] ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ።
[45] ምስ ሰኣንዎ ግና እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
[46] ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ ኽሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ።
[47] እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ድማ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ።
[48] ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ ወደይ ስለምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና በለቶ።
[49] ንሱ ድማ ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ ኸም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? በሎም።
[50] ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።
[51] ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዂሉ ነገር ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።
[52] ኢየሱስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።