Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:31

[1] ኢየሱስ እንተይሰልከዩ ዂልሻዕ ኽጽልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦

[2] ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሔር ዘይፈርኅ ንሰብ ድማ ዘይኃፍር ሓደ ፈራዲ ነበረ።

[3] ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመጸት ከዓ ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ› ትብሎ ነበረት።

[4] ንሱ ድማ ብዙኅ መዓልቲ ኣበያ። ብድኅሪኡ ግና ብልቡ ንእግዚኣብሔር እኳ እንተ ዘይፈራኅኹ ንሰብውን እንተ ዘይኃፈርኩ

[5] እዛ መበለት እዚኣ አሸጊራትኒ እያ እሞ መመሊሳ እናመጸት ከይተትክረኒ ኽፈርደላ ድኣ› በለ።

[6] ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ ።

[7] እግዚኣብሔር ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ኅሩያቱ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?

[8] ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተኾነ ወዲ ሰብ ምስ መጸስ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ክረክብ እዩ?

[9] ኢየሱስ ነቶም ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና ዝንዕቑ ዝነበሩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦

[10] ክልተ ሰባት ክጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ እቲ ኻልኣይ ድማ ተቐባል ቀረጽ ነበሩ።

[11] እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኦ እግዚኣብሔር! ከምቶም ካልኦት፦ ከተርቲ ዓመፅቲ ዘመውቲ ሰባት ወይ ከምዝ ተቐባል ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ ኣለኹ።

[12] ብሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም ካብ ኲሉ ዘጥረኹዎውን ኣሥራት አውፅእ› እናበለ ጸለየ።

[13] እቲ ተቐባል ቀረጽ ግና ኣብ ርኁቕ ደው ኢሉ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቊላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ ኦ ኣምላኸይ! ንኣይ ንኃጢኣተኛ መሓረኒ› እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።

[14] ካብቲ ፈሪሳዊ እቲ ተቐባል ቀረጽ ጸዲቑ ናብ ገዝኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኲሉ ርእሱ ልዕል ልዕል ዘብል ክዋረድ ኲሉ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ክብል እዩሞ።

[15] ኢየሱስ ንሕፃናት ኢዱ ኸንብረሎም ናብኡ ኣምጽእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ እዙይ ርእዮም ነቶም ሰባት ገሠጽዎም።

[16] ኢየሱስ ግና ጸዊዑ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ሕፃናት ናባይ ክመጹ ኣይትኸልክልዎም።

[17] ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።

[18] ሓደ ኽብቶም ኣሕሉቕ ድማ ኦ ሕያዋይ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር? ኢሉ ጠየቖ።

[19] ኢየሱስ ከዓ ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሔር ሕያዋይ የለን።

[20] ነተን ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤› ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ በሎ።

[21] ንሱ ኸዓ ነዝ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ በለ።

[22] ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዂሉ ሼጥኻ ንድኻታት ሃብ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ሰዓበኒ በሎ።

[23] ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ ብዙኅ ኃዘነ።

[24] ኢየሱስ ብዙኅ ምኅዛኑ ርእዩ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ!

[25] ሃብታም ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክኃልፍ ይቐልል በለ።

[26] እቶም ዝሰምዑ ድማ መን ደኣ ኾን ክድኅን ይኽእል? በሉ።

[27] ንሱ ኸዓ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ በሎም።

[28] ሽዑ ጴጥሮስ እንሆ ንሕና ዂሉ ጥሪትና ኃዲግና ስዒብናካ ኣለና በሎ።

[29] ንሱ ኸዓ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ምእንቲ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኢሉ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ ወይ ኣኅዋት ወይ ወለዲ ወይ ውሉድ ዝኃደገ

[30] ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙኅ ካዕበት ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከዓ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘይረክብ የለን በሎም።

[31] ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ወሲዱ ድማ እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ብነቢያት ዝተጽሓፈ ዂሉ ኽፍጸም እዩ።

[32] ነሕዛብ ኣኅሊፎም ክህብዎ ከላግጹሉ ክጸርፍዎ እንትፍውን ክብሉሉ

[33] ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ክትሥእ እዩ በሎም።

[34] ንሳቶም ግና ኻብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሠዊርዎም ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።

[35] ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ እንሆ ሓደ ዓይነ ሥዉር ሰብኣይ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

[36] ሕዝቢ ብእኡ ኽኃልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ኢሉ ጠየቐ።

[37] ንሳቶም ከዓ እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ የኃልፍ ኣሎ ኢሎም ነገርዎ።

[38] ሽዑ ንሱ ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! ራህርሀለይ! እናበለ ጸርሐ።

[39] እቶም ቅድሚት ዝኸዱ ዝነበሩ ስቕ ክብል ገሠጽዎ፤ ንሱ ግና ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! ራህርሀለይ! እናበለ ኣበርቲዑ ጸርሐ።

[40] ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ ናብኡ ኸምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ? ኢሉ ጠየቖ።

[41] እቲ ዓይነ ስውር ከዓ ጐይታይ! ኣዒንተይ ክርእያ በለ።

[42] ኢየሱስ ድማ እምነትካ እያ ኣሕውያትካሞ ርአ! በሎ።

[43] ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፤ ንእግዚኣብሔር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኲሎም እቶም ሕዝቢውን ነዙይ ምስ ረአዩ ንእግዚኣብሔር ኣመስገንዎ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters