ወንጌል ሉቃስ 4
[1] ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ ናብ በረኻ ኸደ።
[2] ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ምንም ኣይበልዐን፤ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ተወድኣ ጠመየ።
[3] ዲያብሎስ ድማ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኾይንካስ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ! በሎ።
[4] ኢየሱስ ከዓ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ብዝወጽእ ቃል ኲሉ ደኣ እምበር ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ› ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።
[5] ዲያብሎስ ድማ ናብ ነዊኅ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግሥታት ኲሉ ዓለምውን ከም ቅጽበት ዓይኒ ኣርኣዮ።
[6] -
[7] ሽዑ ዲያብሎስ እዝ ሥልጣን እዙይን ክብርን ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ እንተሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ዂሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ በሎ።
[8] ኢየሱስ ከዓ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ!› ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።
[9] ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ድኣ ኾይንካስ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር።
[10] ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤
[11] እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም› ዝብል ተጽሒፉ ኣሎሞ በሎ።
[12] ኢየሱስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ› ዝብል ድማ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።
[13] ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዂሉ ምስ ወድአ ንጊዜኡ ኃደጎ።
[14] ኢየሱስ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመለሰ፤ ዝናኡውን ኣብ ኲሉ እቲ ኸባቢ ተሰምዐ።
[15] ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ ዂሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።
[16] ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ከዓ ኸምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተሥአ።
[17] መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ዝተጽሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦
[18] ስለዙይ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብሥሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ ንዕውራት ምርኣይ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብሥር
[19] ንኅርይቲ ዓመት እግዚኣብሔርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።
[20] ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ እቶም ኣብታ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዂሎም ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ።
[21] ሽዑ ናይዚ መጽሓፍ እዙይ ቃል ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈጸመ ኽብሎም ጀመረ።
[22] እቶም ዝሰምዕዎ ዂላቶም በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ጸጋ ዝመልኦ ቓላት ተደኒቖም እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? በሉ።
[23] ኢየሱስ ድማ ኣታ ሓኪም ቅድም ንርእስኻ ፈውስ› ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ ከምኡውን ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም በሎም።
[24] ኣስዒቡ ኸዓ ነቢይ ኣብ ዓዱኸቶ ኸም ዘይኸብር እማን እብለኩም ኣለኹ።
[25] ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ዝተዓጽወሉ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን ኣብ እስራኤል ብዙኃት መበለታት ከም ዝነበራ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[26] እንተኾነ ኤልያስ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ድኣ እምበር ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን።
[27] ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን ኣብ እስራኤል ብዙኃት ለምጻማት ነይሮም እንተኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን ኻብኣቶምስ ሓደኳ ኣይነጽሀን በሎም።
[28] እቶም ኣብታ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዂሎም ነዙይ ምስ ሰምዑ የመና ተቖጥዑ ።
[29] ሽዑ ተሢኦም ካብ ዓዲ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከጽድፍዎውን ዓዶም ተሠሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ።
[30] ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
[31] ድኅርዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።
[32] ቃሉ ብሥልጣን ስለ ዝነበረ ድማ ብትምህርቱ ተገረሙ።
[33] ኣብታ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን ንሱውን ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብኣይ ነበረ ብዓብዪ ድምፂ
[34] ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መጺእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኢኻ እናበለ ኣእወየ።
[35] ኢየሱስ ግና ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ! ኢሉ ገሠጾ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ጻሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ።
[36] ኲሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብኃይልን ሥልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ እናበሉ ተዘራረቡ።
[37] ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዂሉ ቑሸታት ተሰምዐ።
[38] ኢየሱስ ካብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ወፂኡ ናብ እንዳ ስምዖን ኣተወ። ሓማት ስምዖን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት ብዛዕብኣውን ለመንዎ።
[39] ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ነቲ ረስና ገሠጾ፤ እቲ ረስናውን ኃደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሢኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።
[40] ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንዂሎም እቶም በብዓይነቱ ዝኾነ ሕማም ዝነበሮም ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፎም ኢዱ እናኣንበረ ኣሕወዮም።
[41] ብዙኃት ኣጋንንቲውን ዓው ኢሎም ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ እናበሉ ኻብ ብዙኃት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሠፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ንኽዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
[42] ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ሕዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ ናብኡ መጺኦምውን ካብኣቶም ኃሊፉ ኸይኸይድ ኂዞም ኣቖምዎ።
[43] ንሱ ግና ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንትዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ በሎም።
[44] ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ከዓ ይሰብኽ ነበረ።