ወንጌል ሉቃስ 10
[1] ድኅርዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓ መረጸ። በብኽልተ ገይሩ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
[2] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ኣዝመራኡ ብዙኅ እዩ፤ ሠራሕተኛታት ግና ውኁዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሠራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ።
[3] ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ።
[4] ሳንጣ ወይ ሊታ ወይ ኣሣእን ኣይትኃዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።
[5] ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ቕድም ነዛ ገዛ እዚኣ ሰላም ይኹን›በሉ።
[6] ኣብኡ ፈታው ሰላም እንተልዩ ሰላምኩም ኣብኡ ኽኃድር እዩ። እንተ ዘየልዩ ግና ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ።
[7] ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሠራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ ዘቕረቡልኩም ብልዑ ን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።
[8] ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም ዘቕረቡልኩም ብልዑ ።
[9] ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላውን› በልዎም።
[10] ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም
[11] እቲ ኻብ ከተማኹም ኣብ ኣእጋርና ዝጠበቐ ሓመድ እኳ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተኾነ ግና መንግሥቲ እግዚኣብሔር ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ› በልዎም።
[12] ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሰዶም ከም ዝቐለላ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[13] ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ ወጮ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዂሽቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን።
[14] ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ።
[15] ኣቲ ቅፍርናሆምውን ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? ክሳዕ ሲኦልውን ክትወርዲ ኢኺ።
[16] እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።
[17] እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ ጐይታ! ኣጋንንቲውን እንተይተረፉ ብስምካ ተገዚኦምልና እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ።
[18] ኢየሱስ ድማ፦ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።
[19] እንሆ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ኃይሊ ጸላእን ክትረግጹ ሥልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩም ከዓ ኸቶ የለን።
[20] ግና ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጽሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም ኣይትተሓጐሱ በሎም።
[21] በታ ጊዜ እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ከምዙይ በለ ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝኃባእኻዮ ንሕፃናት ድማ ስለ ዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣለኹ። እወ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን ፍቓድካ ኾይኑ እዩሞ።
[22] ኲሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ክገልጸሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ ኣብ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን በለ።
[23] ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸዓ ንበይኖም፦ ነዝ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዝርእያ ኣዒንቲ ብፁዓት እየን።
[24] ብዙኃት ነቢያትን ነገሥታትን ነዝ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ክርእዩ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑ ን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።
[25] እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሢኡ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር? በሎ።
[26] ንሱ ኸዓ ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተጽሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ? በሎ።
[27] ንሱ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኃይልኻን ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብጻይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ኢሉ መለሰሉ።
[28] ኢየሱስ ከዓ ጽቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ በሎ።
[29] ንሱ ግና ንርእሱ ኽመጻደቕ ደልዩ ብጻየይከ መን እዩ? በሎ።
[30] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ ኣብ መንጎ ሕይወትን ሞትን ኃዲጐምዎ ኸዱ።
[31] ሓደ ኻህን በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ።
[32] ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ።
[33] ሓደ ኃላፍ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መጸ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ።
[34] ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን ኣብ ቊስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ ናብ መኅደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።
[35] ንጽባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ ነቲ ሓላው መኅደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ ኻብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዂሉ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ› በሎ።
[36] ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ካብ ሠለስቲኦም ብጻይ ዝኾኖ መን ይመስለካ?
[37] ንሱ ድማ እቲ ሠናይ ዝገበረሉ በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ እምበኣር ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበር በሎ።
[38] ክኸዱ እንተለዉ ድማ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዝኣ ተቐበለቶ።
[39] ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ ቓሉ ትሰምዕ ነበረት።
[40] ማርታ ግና ብዙኅ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ ጐይታይ! ኃፍተይ ኃዲጋትኒ በይነይ እናሠራሕኹስ ኣየኅዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒንዶ ንገራ? በለቶ።
[41] ኢየሱስ ድማ ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙኅ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ።
[42] እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝሐሸ መሪጻ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን ኢሉ መለሰላ።