ወንጌል ሉቃስ 15
[1] እንሆ ዂሎም ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።
[2] ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ እዙይስ ንኃጥኣን ይቕበል ምስኣቶምውን ይበልዕ እናበሉ ኣበርቲዖም ኣጕረምረሙ።
[3] ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦
[4] ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ ኽደሊ ዘይኸይድ እንታዋይ ሰብ እዩ?
[5] ምስ ረኸባ ድማ ተሓጕሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
[6] ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ድማ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብኃባር ጸዊዑ እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጐሱ› ይብሎም።
[7] ከምኡ ኸዓ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃን ብዝንሳሕ ሓደ ኃጥእ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[8] ከምኡውን ዓሠርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዝኣ ዘይትዂስትር ክሳዕ እትረኽባ ድማ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ አየነይቲ ሰበይቲ እያ?
[9] ምስ ረኸበታ ድማእታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጐሳ› እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትጽውዕ።
[10] ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ኃጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሔር ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[11] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።
[12] እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ኣቦይ! ካብዝ ገንዘብካ እቲ ዝብጽሐኒ ግደይ ሃበኒ› በሎ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ።
[13] ድኅሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ ናብ ርኁቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
[14] ዘለዎ ዂሉ ምስ ወድአ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተጸገመ።
[15] ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ተቖጸረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ።
[16] ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን።
[17] ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም! ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።›
[18] ተሢአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ።
[19] ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝጸረኒ ኽብሎ እየ› በለ።
[20] ተሢኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ ገና ኣብ ርኁቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህረሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።
[21] እቲ ወዱ ድማ ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን በሎ።
[22] ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ዝበለጸ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምጺእኹም ክደንዎ! ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ ኣሣእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ!
[23] ስቡሕ ዝራብዕ ኣምጺእኹም ሕረዱሞ ንብላዕ! ንተሓጐስ!
[24] እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩሞ› በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
[25] እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረሞ መጺኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ።
[26] ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ጸዊዑ እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?› ኢሉ ጠየቖ።
[27] ንሱ ኸዓ እቲ ሓውካ ስለ ዝመጸ እሞ ኣቦኻ ብዳኅንኡ ስለ ዝረኸቦ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ› በሎ።
[28] ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ።
[29] ንሱ ግና ነቦኡ፦ እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ ካብ ትእዛዝካውን ፈጺመ ኣይኃለፍኩን፤ እንተኾነ ንኣይ ምሰዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን።
[30] እዝ ምስ ኣመንዝራታት ኮይኑ ገንዘብካ ዝበተነ ወድኻ ምስ መጸ ግና ስቡሕ ዝራብዕ ሓረድካሉ› በሎ።
[31] ኣቦኡ ኸዓ ወደይ ንስኻስ ኲልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዂሉ ድማ ናትካ እዩ።
[32] እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ ክንሕጐስን ባህ ኽብለናን ይግብአና እዩ› በሎ።