ወንጌል ሉቃስ 9
[1] ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት ብኃባር ጸዊዑ ሕሙማት ንኸሕውዩ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዂሉ ኃይልን ሥልጣንን ሃቦም።
[2] መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክሰብኩን ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም።
[3] ከምዙይውን በሎም፦ ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲውን ኣይትኃዙ በሎም።
[4] ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ኽሳዕ እትወፁ ኸዓ ኣብኣ ጽንሑ።
[5] እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።
[6] ንሳቶም ድማ ወፂኦም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ።
[7] ንጉሥ ሄሮድስ ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ነገር ኲሉ ሰሚዑ የመና ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኦም ሰባት ዮሓንስ ካብ ሞት ተሢኡ ይብሉ ነበሩ፤
[8] ገሊኦም ድማ ኤልያስ ተርእዩ ገሊኦምውን ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሢኡ እዩ ይብሉ ነበሩ።
[9] ሄሮድስ ግና ንዮሓንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕብኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ? በለ፤ ክርእዮውን ይደሊ ነበረ።
[10] ሓዋርያት ምስ ተመለሱ ዝገበርዎ ዂሉ ነገርዎ፤ ንበይኖም ድማ ቤተ ሳይዳ ናብ እትበሃል ከተማ ሒዝዎም ከደ።
[11] እቶም ሕዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመጹውን ኣሕወዮም።
[12] ሽዑ ኽመሲ እንትብል እቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ እዞም ሕዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቊሸታትን ከይዶም ክኃድሩ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም በልዎ።
[13] ኢየሱስ ከዓ ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም በሎም። ንሳቶም ግና ንሕና ኼድና ነዝ ዂሉ ሕዝቢ ዝብላዕ ኽንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ ምሳና ዘሎስ ካብ ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ኣይበዝኅን እዩ በልዎ።
[14] ኣስታት ኃሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት እዮም ዝነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ በብኃምሳ እናሠራዕኹም ኣቐምጥዎም በሎም።
[15] ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንኹሎምውን ኣቐመጥዎም።
[16] ነተን ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመተ፤ ባሪኹ ቖረሰ፤ ነቶም ሕዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም።
[17] ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ ዓሠርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
[18] ኢየሱስ ንበይኑ ኽጽሊ እንተሎ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ? ኢሉ ጠየቖም።
[19] ንሳቶም ከዓ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ ተሢኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ ኢሎም መለሱሉ።
[20] ንሱ ኸዓ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? በሎም። ጴጥሮስ ድማ ንስኻ እቲ ናይ እግዚኣብሔር መሢሕ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ።
[21] ንሱ ግና ነዝ ነገር እዙይ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣጠንቀቖምን ኣዘዞምን።
[22] ወዲ ሰብ ብዙኅ መከራ ኽረክብ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ ኽከሓድን ክቕተልን ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ክትሥእ ግድን እዩ በሎም።
[23] ንዂሎም ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ደድኅረይ ክስዕብ ዝደሊ ንርእሱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሰኪሙውን መዓልቲ መዓልቲ ይከተለኒ።
[24] እቲ ንነፍሱ ኸድኅና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድኅና እዩ።
[25] ሰብ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዂሉ ረቢኁ ነፍሱ እንተጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?
[26] ብኣይን ብቓለይን ዝኃፍር ኲሉ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣብኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመጽእ እንተሎ ብእኡ ኽኃፍር እዩ።
[27] እንተኾነ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ክሳዕ ዝርእይዋ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[28] ድኅሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ ንጴጥሮስን ዮሓንስን ያዕቆብን ተማሊኡ ኽጽሊ ናብ እምባ ደየበ።
[29] ክጽሊ እንተሎ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፤ ኽዳውንቱውን ዘንጸባርቕ ፃዕዳ ኾነ።
[30] እንሆ ኸዓ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።
[31] እዞም ብኽብሪ ዝተገለጹ እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ሞቱ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።
[32] ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ።
[33] እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ ጴጥሮስ ንኢየሱስ መምህር! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ንኤልያስ ሠለስተ ዳስ ንሥራሕ በሎ። ዝብሎውን ኣይፈልጥን ነበረ።
[34] ንሱ እዙይ ክዛረብ እንተሎ ደመና መጺኡ ኣጽለሎም፤ እቲ ደመና ምስ ከወሎምውን ፈርኁ።
[35] ካብቲ ደመና እቲ ዝኃረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ ዝብል ድምፂ መጸ።
[36] እቲ ድምፂ ምስ ተሰምዐ ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ሽዑ ዝረአይዎ ነገር ንሓደኳ እንተይነገሩ ስቕ በሉ።
[37] ኢየሱስ ንጽባሒቱ ኻብቲ እምባ ምስ ወረደ ብዙኃት ሕዝቢ ተቐበልዎ።
[38] እንሆ ኸዓ ኻብቶም ሕዝቢ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ከምዙይ በለ ኦ መምህር! ውሉደይ ሓደ ንሱ እዩ፤ ነዝ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣለኹ።
[39] እንሆ ርኹስ መንፈስ ብድንገት ይኅዞሞ የእውዮ፤ የውድቖ፤ ፈርፈር የብሎ፤ የዕፍሮ፤ ኣንቀጥቂጡ ድማ ብጭንቂ ይኃድጎ።
[40] ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነዮምስ ከውፅእዎ ኣይከኣሉን።
[41] ኢየሱስ ከዓ ኣታ እምነት ዝጐደሎ ቀይናን ትውልዲ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ እየ ኽዕገሠኩም? በል ንወድኻ ናብዙይ ኣምጽኣዮ በሎ።
[42] እቲ ወዲ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረበ እቲ ጋኔን ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣቢሉ ኣንገርገሮ ኢየሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሠጾ። ነቲ ቖልዓውን ኣሕውዩ ነቦኡ ሃቦ።
[43] ኲሎም ከዓ ብዕብየት ኃይሊ እግዚኣብሔር ተገረሙ። ኲላቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዂሉ እናተደነቑ እንተለዉ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፦
[44] ንወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቖርዎ በሎም።
[45] ንሳቶም ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣየስተውዓልዎን። ካብኣቶም ተሠዊሩ ስለ ዝነበረውን ኣይተረድኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርኁ።
[46] ካብ መንጎኦም መን ከም ዝዓቢ ኣብ ማእኸሎም ክትዕ ተልዓለ።
[47] ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ ንሓደ ሕፃን ወሲዱ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ
[48] ነዝ ሕፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኲልኹም ዝንእስ ንሱ ኻብ ኲልኹም ዝዓቢ ክኸውን እዩ በሎም።
[49] ዮሓንስ ከዓ መምህር! ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ ምሳና ስለ ዘይሰዓበካ ኸልኪልናዮ በሎ።
[50] ኢየሱስ ከዓ እንተድኣ ዘይጻረረኩም ኮይኑ ወገንኩም እዩሞ ኣይትኸልክልዎ በሎም።
[51] ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ።
[52] ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ።
[53] እቶም ሕዝቢ ግና መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን።
[54] ደቀ መዛሙርቱ ያዕቆብን ዮሓንስን ነዙይ ምስ ረአዩ ጐይታ! ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ? በልዎ።
[55] ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ ናይ አየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም።
[56] ወዲ ሰብ ሕይወት ሰብ ከድኅን እምበር ከጥፍእ ኣይመጸን ኢሉ ገሠፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ።
[57] ኣብ መንገዲ እናኸዱ እንተለዉ ሓደ ሰብ መምህር! ናብ ዝኸድካዮ ኽስዕበካ እየ በሎ።
[58] ኢየሱስ ከዓ ንወኻሩ ጕድጓድ ነዕዋፍ ሰማይውን ሠፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘጸግዐሉ ሥፍራ የብሉን በሎ።
[59] ንሓደ ኻልእ ከዓ ሰዓበኒ በሎ፤ ንሱ ድማ ጐይታይ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ በሎ።
[60] ኢየሱስ ድማ ምውታን ንምውታኖም ይቕበሩ ኅደጎም፤ ንስኻ ግና ኺድ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣብሥር በሎ።
[61] ካልእ ሓደ ሰብ ድማ ጐይታይ! ክኽተለካ እየ፤ ግና ቕድም ስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ በሎ።
[62] ኢየሱስ ግና ዕርፊ ኂዙ ንድኅሪት ዝርኢ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣይበቅዕን እዩ በሎ።