Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:13

[1] ኢየሱስ ቈላሕ እንተበለ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምጽዋት መባእ እንተእትዉ ረአየ።

[2] ሓንቲ ድኻ መበለትውን ኣብኡ ኽልተ ሳንቲም ክተእቱ እንተላ ረአየ።

[3] እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብ ኲላቶም ኣብዚኃ ኸም ዝሃበት እማን እብለኩም ኣለኹ።

[4] እዚኣቶም ኲላቶምስ ካብ ተረፎም እዮም መባእ ዝሃቡ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ እታ ዝነበረታ ዂሉ እያ ዝሃበት በለ።

[5] ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገሊኦም ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ብጽቡቕ ኣእማንን ንመባእ ብዝተውሃበ ሽልማትን ኣጊጹ ኸም ዘሎ ኽዛረቡ እንተለዉ ኢየሱስ፦

[6] እዝ እትሪእዎ ዘለኹም እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልትታት ክመጻ እየን በለ።

[7] ንሳቶም ከዓ ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ እዋንከ ምልክቱ እንታይ እዩ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[8] ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙኃት ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ፤› እናበሉ ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ ኣይትስዓብዎም።

[9] ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተሰማዕኹምውን ኣይትደንግፁ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩሞ እንተኾነ እቲ ፍጻሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።

[10] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኽለዓል እዩ።

[11] ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ራዕድን ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።

[12] ቅድሚ እዝ ዂሉ ግና ክኅዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም ናብ ነገሥታትን ሹመኛታትን ከብጽሑኹም እዮም።

[13] እዙይ ንምስክርነት ክኾነልኩም እዩ።

[14] እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ከምዘይብልኩም ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ።

[15] እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን ኣነ ኽህበኩም እየ።

[16] ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ክህቡኹም ካባኻትኩምውን ንገሊኦም ክቐትሉ እዮም።

[17] ስለ ስመይ ከዓ ብዂሉ ዝተጸላእኹም ክትኮኑ ኢኹም።

[18] ግና ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ።

[19] ንነፍስኹም ከዓ ብትዕግሥትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።

[20] ኢየሩሳሌም ብሠራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።

[21] ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባ ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉውን ካብኣ ይውፅኡ፤ እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ድማ ናብኣ ኣይእተዉ።

[22] እዙይ ከዓ እቲ ዝተጽሓፈ ዂሉ ምእንቲ ኽፍጸምስ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።

[23] በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ሕዝቢ እዙይ ድማ መዓት ክወርድ እዩሞ።

[24] ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ ተማሪኾም ድማ ናብ ኲሎም ኣሕዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመናት ኣሕዛብ ክሳዕ ዝፍጸምውን ኢየሩሳሌም ብኣሕዛብ ክትርገጽ እያ።

[25] ኣብ ፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ከዓ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪውን ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣሕዛብ ክጭነቑን ዝገብርዎ ኽጠፍኦምን እዩ።

[26] በቲ ጊዜ እቱይ ኃይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመጽእ ዘለዎ ብምጽባይን ብፍርኃትን ድማ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ።

[27] ሽዑ ንወዲ ሰብ ምስ ብዙኅ ኃይልን ግርማን ብደመና ሰማይ ክመጽእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።

[28] እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ ምድኃንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።

[29] ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም ንኦም በለስን ንዂሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፤

[30] ክጥጥዑ እንተለዉ ምስ ረአኹም ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።

[31] ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትርእዩ እንተለኹም መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከም ዝቐረበት ፍለጡ።

[32] እዝ ዂሉ ኽሳዕ ዝኸውን እዝ ትውልዲ እዙይ ከምዘይኃልፍ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[33] ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይኃልፍን።

[34] እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምስ ብስስዐን ብስኽራንን ብናይ ናብራ ሓሳብን ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!

[35] እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ገጽ ምድሪ ንዝነብሩ ዂሎም ከም መፈንጠር ክትበጽሖም እያ እሞ።

[36] እምበኣርከስ ካብቲ ዂሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን ኲልሻዕ ነቒሕኹም ጸልዩ።

[37] ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ለይቲ ለይቲ ኸዓ ደብረ ዘይት ኣብ ዝበሃል እምባ ደይቡ የኃድር ነበረ።

[38] ኲሉ እቲ ሕዝቢ ድማ ንእኡ ኽሰምዕ ናብ ቤተ መቕደስ ይግስግስ ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters