Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 10:14

[1] ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙኃት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈጸመ ነገራት ክጽሕፉ ዝጀመሩ፤

[2] እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ናይቲ ቓል ኣገልገልትን ናባና ዝተመኃላለፈ፤

[3] -

[4] ኣነውን ኣብ ዝኃለፈ ቐረባ ጊዜ ነቲ ነገር ካብ መሠረቱ ኂዘ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ ናይቲ ዝተመሃርካዮ ነገራት ርግጽነት ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ ኣከታቲለ ኽጽሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።

[5] ብዘመን ሄሮድስ ንጉሥ ይሁዳ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።

[6] ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሔርን ሕግጋቱን ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ጻድቃን ነበሩ።

[7] እንተኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋዕሎም ዝኃለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።

[8] እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ

[9] ከም ሥርዓት ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በጽሖ።

[10] በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ ዂሉ እቲ ሕዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይጽሊ ነበረ።

[11] ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብወገን የማን እቲ መሠውዒ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ።

[12] ሽዑ ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ዓብዪ ፍርኃትውን ወረዶ።

[13] እቲ መልኣኽ ድማ፦ ዘካርያስ! ጸሎትካ ተሰሚዑ ልካ እዩ እሞ ኣይትፍራኅ! ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሓንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።

[14] ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙኃት ክሕጐሱ እዮም።

[15] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓብዪ ስለ ዝኸውን ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማኅፀን እኖኡ እንተሎ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።

[16] ካብ ሕዝቢ እስራኤል ንብዙኃት ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ።

[17] ንሱ ንእግዚኣብሔር ብቑዕ ሕዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ምእንቲ ኽመልስ ብመንፈስን ብኃይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።

[18] ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ ኣነ ሸምጊለ እየ፤ ሰበይተይውን መዋዕላ ኃሊፉ እዩ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምዝኸውን ብምንታይ ክፈልጦ እየ? በሎ።

[19] እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ። ናባኻ ዝተልኣኽኩ ድማ ነዝ ነገራት እዙይ ክነግረካን ከብሥረካን እየ።

[20] እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍጸም በሃም ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ በሎ።

[21] እቶም ሕዝቢ ግና ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።

[22] ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ ኽዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።

[23] ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ ናብ ገዝኡ ተመለሰ።

[24] ድኅሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ ንኃሙሽተ ኣዋርኅ ንባዕላ ሓብአት።

[25] ጐይታይ ብምሕረቱ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ሓወጸኒ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝነበረኒ ውርደተይውን ኣርሓቐለይ በለት።

[26] -

[27] ብሻድሻይ ወርኂ ገብርኤል መልኣኽ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ ገሊላ ኻብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ ዮሴፍ ንዝብሃል ሰብ ናብ ዝተሓፀየት ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ እግዚኣብሔር ተልኣኸ፤ ስም እታ ድንግል ከዓ ማርያም ይበሃል።

[28] እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ ኦ ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ! እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ በላ።

[29] ንሳ ድማ ምስ ረአየቶ በቲ ቓሉ ደንገፀት፤ እንታይ ዓይነት ሰላምታ እዩ! ኢላውን ሓሰበት።

[30] እቲ መልኣኽ ከዓ ኦ ማርያም! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርኂ።

[31] እንሆ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ስሙ ኸዓ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ።

[32] ንሱ ዓብዪ ክኸውን ወዲ ልዑ ል እግዚኣብሔርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ።

[33] ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። ንመንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን በላ።

[34] ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን? በለቶ።

[35] እቲ መልኣኽ መሊሱ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመጽእ እዩ፤ ኃይሊ ልዑ ል እግዚኣብሔርውን ከጽልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሔርውን ክብሃል እዩ።

[36] እንሆ እታ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እኳ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን ዝተብሃለት እዙይ ሻድሻይ ወርኃ እዩ።

[37] ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ በላ።

[38] ማርያም ድማ እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ በለቶ። ብድኅርዙይ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ።

[39] በተን መዓልትታት እቲኣተን ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት።

[40] ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።

[41] ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት እቲ ሕፃን ኣብ ከርሣ ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።

[42] ብዓብዪ ድምፂውን ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማኅፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ።

[43] እኖ ጐይታይ! ናባይ ክትመጺኸ እዙይ ይግብአኒ ዲዩ?

[44] እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ እቲ ሕፃን ኣብ ማኅፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ።

[45] እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተነግረከ ቓል ከም ዝፍጸም እትኣምኒ ብፅዕቲ ኢኺ በለት።

[46] ማርያም ድማ፦ ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተመስግኖ፤

[47] መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ ብመድኃንየይ ደስ ይብላ።

[48] ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ዂሎም ትውልዲ ብፅዕቲ ኽብሉኒ እዮም።

[49] እቲ ዂሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙውን ቅዱስ እዩ።

[50] ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርኅዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

[51] ብቕልጽሙ ኃይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።

[52] ንኃያላት ካብ ዝፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።

[53] ንጥሙያት ብበረከት ኣጽገቦም፤ ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።

[54] -

[55] ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ በለት።

[56] ማርያም ንሠለስተ ወርኂ ዝኣክል ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ ብድኅሪኡ ናብ ገዝኣ ተመለሰት።

[57] ኤልሳቤጥ እትወልደሉ እዋን በጽሐ፤ ወዲውን ወለደት።

[58] ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ እግዚኣብሔር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም ምስኣ ተሓጐሱ።

[59] ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ሕፃን ክገርዝዎ መጹ፤ ብስም ኣቦኡውን ዘካርያስ በልዎ።

[60] እኖኡ ግና ኣይፋሉን፤ ዮሓንስ ተብሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ኢላ መለሰት።

[61] ንሳቶም ከዓ ካብ ኣዝማድኪ በዝ ስም እዙይ ዝጽዋዕ ሓደኳ የለን በልዋ።

[62] ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ እናመልከቱ ጠየቕዎ።

[63] ንሱ ኸዓ ዝጽሕፈሉ ሰሌዳ ኽህብዎ ጠይቑ ዮሓንስ ይበሃል ኢሉ ጸሓፈ፤ ዂሎም ድማ ተገረሙ።

[64] ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሔርውን ኣመስገኖ።

[65] ኣብ ኲሎም ጐረባብቶም ድማ ፍርኃት ወረደ። እዝ ነገር እዙይውን እምባታት ኣብ ዝበዝሖ ዂሉ ኸተማታት ይሁዳ ተሰምዐ።

[66] ኢድ እግዚኣብሔር ከዓ ምስቲ ሕፃን ስለ ዝነበረት እቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዕዎ ዂሎም እዝ ሕፃን እዙይስ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ? እናበሉ ኣብ ልቦም የዓቝርዎ ነበሩ።

[67] ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ከምዙይ ኢሉውን ተነበየ፦

[68] ንሕዝቡ ስለ ዝሓወፆምን ዝተቤዘዎምን እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።

[69] -

[70] ከምቲ ኻብ ጥንቲ ኂዙ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ኃይሊ ምድኃን ኣተሥአልና።

[71] ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም እቶም ዝጻረሩናን ምእንቲ ኸድኅነና

[72] ምሰቦታትና ምሕረት ክገብር ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።

[73] እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ

[74] ካብ ኢድ ጸላእትና ድኂንና ብዘይ ፍርኃት ምእንቲ ኽነምልኾ

[75] ብዂሉ ዘመን ሕይወትናውን ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብጽድቅን ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።

[76] ኣታ ሕፃንውን መንገዲ ልዑ ል ክትጸርግ ቀቅድሚ እግዚኣብሔር ክትከይድ ኢኻ እሞ ናይ ልዑ ል ነቢይ ተብሂልካ ኽትጽዋዕ ኢኻ።

[77] ንሕዝቡ ናይ ኃጢኣቶም ኅድገት ዝረኽቡሉ ናይ ድኅነት ፍልጠት ክትህብ ኢኻ።

[78] በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበጽሐና እዩ።

[79] ንሱውን ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።

[80] እቲ ሕፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ኽሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters