ወንጌል ሉቃስ 16
[1] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ መጋቢ ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ።
[2] እቲ ጐይትኡ ጸዊዑ ድማ እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ ጸብጻብ መጋብነትካ ሃበኒ!› በሎ።
[3] እቲ መጋቢ ድማ ብልቡጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ ኣይኽእልን፤ ከይልምን ድማ ኣኃፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ?
[4] ካብ መጋብነተይ ምስ ተስዓርኩ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ› በለ።
[5] ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይትኡ በብሓደ ጸዊዑ ነቲ ቐዳማይ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?› በሎ።
[6] ንሱ ኸዓ ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ› በሎ። ሽዑ ንሱ እንካ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ኃምሳ ኢልካ ጸሓፍ› በሎ።
[7] ነቲ ኻልኣይ ድማ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ?› በሎ፤ ንሱውን ሚእቲ ፅዕነት ስርናይ› በሎ። ሽዑ ንሱ እንካ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጸሓፍ› በሎ።
[8] ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ ብጥበብ ስለ ዝገበረ ጐይትኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ ኢዮምሞ።
[9] ኣነ ኸዓ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም ኣብ ናይ ዘለዓለም ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ ብምድራዊ ሃብቲ ንርእስኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ።
[10] ብውሑድ እሙን ዝኾነ ብብዙኅውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ ብብዙኅውን ዓማፂ እዩ።
[11] እምበኣርከስ ብኃላፊ ገንዘብ እሙናት እንድኅር ዘይኮይንኩም በቲ ዘይኃልፍ ሃብቲ መን የኣምነኩም?
[12] ብናይ እማትኩም ሃብቲ እሙናት እንድኅር ዘይኮንኩምከ ናይ ባዕልኻትኹም ዝኾነ መን ይህበኩም?
[13] ሓደ ሓሽከር ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል አይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ ነቲ ሓደ ይጸልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሔርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
[14] እቶም ፈሪሳውያን ድማ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም ነዝ ዂሉ ሰሚዖም ሓጨጩሉ።
[15] ንሱ ድማ በሎም፦ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተመጻድቑ ኣለኹም፤ ንልብኹም ግና እግዚኣብሔር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕሱር እዩሞ።
[16] ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነቢያትን ክሳዕ ዮሓንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና መንግሥቲ እግዚኣብሔር ትብሠር ኣላ፤ ዂሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ።
[17] ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንጻጽ ካብ እትወድቕስ ሰማይን ምድርን ክኃልፍ ይቐልል።
[18] እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልአይቲ ዘእቱ ዂሉ ይዝሙ፤ እቲ ኻብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱውን ይዝሙ።
[19] ቀይሕ ቀሚስን ቀጭን ክቡር ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን ኲሉ መዓልቲውን እናጋየጸ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
[20] ኲሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርብዩ ዝነብር ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ።
[21] ካብቲ ማእዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፤ ኣኽላባት እናመጹ ድማ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ።
[22] ብድኅርዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን።
[23] ኣብ ሲኦል ኣብ ሥቓይ ኮይኑ ዓይኑ ቖላሕ እንተበለ ካብ ርኁቕ ንኣብርሃም ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአዮ።
[24] ጸዊዑ ኸዓ ኦ ኣቦይ ኣብርሃም! በዝ ነበልባል እዙይ እሣቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ መልሓሰይ ከዝሕለለይ ንኣልኣዛር ስደደለይ!› በሎ።
[25] ኣብርሃም ድማ ወደይ ንስኻስ ብሕይወትካ እንተለኻ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ ኣልኣዛር ግና ኣብ ሥቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሣቐ ኣለኻ።
[26] ምስ እዝ ዂሉ ድማ ካብዙይ ናባኻትኩም ከይኃልፉ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጸድፊ ኣሎ› በሎ።
[27] -
[28] ንሱ ድማ ኦ ኣቦይ! እምበኣርስ ኃሙሽተ ኣኅዋት ኣለዉኒ እሞ ንሳቶምውን ናብዛ ሥፍራ ሥቓይ እዚኣ ኸይመጹ ኸጠንቅቖም ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣለኹ› በሎ።
[29] ኣብርሃም ድማ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለውዎም፤ ንኣኣቶም ይስምዑ › በሎ።
[30] ንሱ ኸዓ ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም ካብ ምዉታን ተሢኡ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተነጊርዎም ክንስሑ እዮም› በሎ።
[31] ንሱ ድማ ንሙሴን ንነቢያትን ዘይሰምዑ እንተኾይኖም ካብ ምዉታን ሓደ እንተተሥአውን ከቶ ኣየኣምኑን እዮም› በሎ።