ወንጌል ሉቃስ 7
[1] ኢየሱስ ኲሉ ዘረባኡ ነቶም ሕዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
[2] ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።
[3] ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ መጺኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ።
[4] -
[5] ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መጺኦም ንሱ ንሕዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ጸሎትና ዝሠርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።
[6] ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዝኡ ምስ ቀረበ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም።
[7] ስለዙይ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቖጸርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።
[8] ኣነውን ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ ነዙይ ኪድ› እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ነዓ› እብሎ ይመጽእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ከምዙይ ግበር› እንተበልክዎ ይገብር በሎ።
[9] ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ ከምዙይ ዝበለ እምነት ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።
[10] እቶም ልኡኻት ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ። ኢየሱስ ንወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ከም ዘተሥአ
[11] ኢየሱስ ንጽባሒቱ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙኅ ሕዝብን ከዱ።
[12] ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙኃት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።
[13] ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ ኣይትብከዪ! በላ።
[14] ቀሪቡውን ነቲ ቓሬዛ ነኽኦ፤ እቶም ፀወርቲውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣታ ጐበዝ! ተሥእ እብለካ ኣለኹ በሎ።
[15] እቲ ምዉት ድማ ተሢኡ ኾፍ በለ፤ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ንኖኡ ሃባ።
[16] ንዂሎም ከዓ ፍርኃት ኃዞም፤ ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሢኡልና፤ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ሓዊፅዎም እናበሉ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣመስገንዎ።
[17] ዝናኡውን ኣብ ኲላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ።
[18] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ዂሉ እዝ ነገር እዙይ ንዮሓንስ ነገርዎ።
[19] ዮሓንስ ከዓ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ጸዊዑ ፦ እቲ ዝመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንጽበ ኢና? ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።
[20] እቶም ዝለኣኾም ናብ ኢየሱስ ምስ በጽሑ ዮሓንስ መጥምቕ እቲ ዝመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንጽበ ኢና?› ኢሉ ናባኻ ልኢኹና በልዎ።
[21] ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ካብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙኃት ኣሕወየ፤ ንብዙኃት ዕዉራትውን ከም ዝርእዩ ገበሮም።
[22] ኢየሱስ ከዓ ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምጻማት ይነጽሁ፤ ጸማማት ይሰምዑ ፤ ምውታን ይትሥኡ፤ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኸሎም ኣሎሞ ኼድኩም ዝረአኹምዎን ዝሰማዕኹምዎን ንዮሓንስ ንገርዎ።
[23] ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁዕ እዩ፤ ኢሉ መለሰሎም።
[24] እቶም ልኡኻት ዮሓንስ ምስ ከዱ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ብዛዕባ ዮሓንስ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ እንታይ ክትርእዩ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆዶ?
[25] እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸድነ ሰብዶ ኽትርእዩ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌጹን ብምቾት ዝነብሩስ ኣብ ኣዳራሽ ነገሥታት ኣለዉ።
[26] እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይዶ? እወ ካብ ነቢይ እኳ ደኣ ዝዓቢ ኢዩ እብለኩም ኣለኹ።
[27] ንሱ እቲ ብዛዕባኡ እንሆ መንገድኻ ዝጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ› ተብሂሉ ዝተጽሓፈሉ እዩ።
[28] ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ነቢይ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ግና እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።
[29] ኲሎም ሕዝብን ተቐበልቲ ቐረጽን ሰሚዖም ብጥምቀት ዮሓንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ መንገዲ እግዚኣብሔር ቅኑዕ እዩ፤ በሉ።
[30] ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና ብእኡ ብዘይምጥሚም ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይተቐበልዎን።
[31] እምበኣር ነዝ ትውልዲ እዙይ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ንመንከ ይመስል?
[32] እቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡሞ ንስንሳቶም ተጸዋዊዖም፦ እምቢልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኹምን፤ ዝበሃሃሉ ቖልዑ ይመስሉ።›
[33] እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን ዮሓንስ መጥምቕ እንተ መጸ ጋኔን ኣለዎ› ትብሉ።
[34] ዝበልዕን ዝሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ድማ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ቐረጽትን ኃጥኣንን› ትብሉ።
[35] ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ሓቅነታ ተረጋገጸ።
[36] ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ምስኡ ኽመስሕ ጠየቖ፤ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ድማ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
[37] እንሆ ኣብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት፤ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ማእዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ጥዑም ጨና ዘለዎ ብኣልባስጥሮስ ኣብ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ዝመልአ ሽቱ ኣምጽአት።
[38] ብድኅሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ ጥዑ ም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት።
[39] እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዙይ ርእዩ እዙይ ነቢይ እንተ ዝኸውንስ እዛ እትነኽኦ ዘላ ሰበይቲ ኃጢኣተኛ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ምዃናን ምፈለጠ ነይሩ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
[40] ኢየሱስ ከዓ ስምዖን ዝብለካ ኣለኒ በሎ፤ ንሱ ኸዓ መምህር! ተዛረብ! በሎ።
[41] ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ኃሙሽተ ሚእቲ ኣብቲ ሓደ ድማ ኃምሳ ዲናር ነበሮ።
[42] ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና ንኽልቲኦም ኃደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ አየናይ እዩ?
[43] ስምዖን ከዓ ንኣይስ እቲ ብዙኅ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ ሓቂ ተዛረብካ በሎ።
[44] ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዙይ በሎ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትርእያዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሐሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።
[45] ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን።
[46] ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእኻንን እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብሽቱ ቐብአትኒ።
[47] ስለዙይ ብዙኅ ስለ ዝፈተወት ንኣኣ እቲ ብዙኅ ኃጢኣታ ተኃዲጉላ እዩ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝኅደገሉ ግና ቑሩብ እዩ ዘፍቅር።
[48] ንእኣ ድማ፦ ኃጢኣትኪ ተኃዲጉልኪ እዩ በላ።
[49] እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ብልቦም እዙይ ኃጢኣት ክኃድግ ዝኽእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ? ኢሎም ሓሰቡ።
[50] ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ! በላ።