Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:54

[1] ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ሥፍራ ኽጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጐይታይ! ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት መሃረና በሎ።

[2] ንሱ ኸዓ በሎም፦ ክትጽልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና! ስምካ ይቀደስ፤ መንግሥትኻ ትምጻእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ኸምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።

[3] ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።

[4] ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም ኃጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና።›

[5] -

[6] ከምዙይ ከዓ በሎም፦ መን እዩ ኻባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ዓርከይ ፈታውየይ ገይሹ መጺኡንስ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ ሠለስተ እንጀራ እንዶ ኣለቅሐኒ› እንተ በሎ

[7] እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ኣይተሸግረኒ! ሕዚ ማዕጾ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሢአ ኽህበካ ኣይክእልን› ዘይብሎ?

[8] ይኹን እምበር ዓርኩ ስለ ዝኾነ ተሢኡ ኽህቦ እኳ እንተዘይደለየ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ ዝደለዮ ተሢኡ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።

[9] ኣነውን ለምኑ ኽወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕጾውን ኳሕዂሑ ክኽፈተልኩም እዩ› እብለኩም ኣለኹ።

[10] ዝለመነ ዂሉ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕጾ ዝዃሕዂሐ ይኽፈተሉ እዩሞ።

[11] ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ ወዱ እንጀራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሣ እንተ ለመኖ ኽንዲ ዓሣ ተመን ዝህቦ?

[12] ወይ እንቊላሊሕ እንተ ለመኖ ዕንቅርቢት ዝህቦ?

[13] እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም ንደቅኹም ሠናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊጹ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?

[14] ኢየሱስ ንበሃም ጋኔን የውፅእ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፤ እቲ በሃም ዝነበረ ሰብ ተዛረበ እቶም ሕዝቢ ኸዓ ተገረሙ።

[15] ካብኣቶም ድማ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ በሉ።

[16] ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ።

[17] ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግሥቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤት ድማ ትወድቕ።

[18] ንኣይ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ› እትብሉንስ መንግሥቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ እታ መንግሥቱ ኸመይ ኢላ ትጾውም?

[19] ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተኾይነኸ ደቅኹምከ ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም።

[20] ኣነ ንኣጋንንቲ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና መንግሥቲ እግዚኣብሔር ናባኻትኩም መጺኣ እያ።

[21] እቲ ኃያል ሰብ ኣጽዋሩ ዓጢቑ ኣዳራሹ እንተ ሓለወ ዂሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር።

[22] ካብኡ ዝኅይል መጺኡ እንተ ሠዓሮ ግና ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል።

[23] እቲ ምሳይ ዘይኮነ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።

[24] ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ› ይብል።

[25] ምስ መጸ ድማ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይጸንሖ።

[26] ብድኅርዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ ኸዓ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ድማ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳኅራዩ ዝበኣሰ ይኸውን።

[27] ኢየሱስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ኻብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ዝፆረትካ ማኅፀንን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁዓት እየን በለቶ።

[28] ንሱ ግና ብፁዓንስ እቶም ንቓል እግዚኣብሔር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም በላ።

[29] ብዙኃት ሰባት ተኣኪቦም እንተለዉ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ እዝ ትውልዲ እዙይ ክፉእ ትውልዲ ኢዩ፤ ምልክትውን ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ድማ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ።

[30] ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ክኾኖ እዩ።

[31] ንግሥተ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኻብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ ሰብ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሢኣ ኽትኲንኖ እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ።

[32] ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሢኦም ክዂንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።

[33] ንመብራህቲ ኣብሪሁ እቶም ዝኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኽርእዩ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ እምበር ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘንብሮ ሓደኳ የለን።

[34] ናይ ሰብነትካ መብራህቲ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና ኲሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና ዂሉ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን።

[35] እምበኣርከስ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።

[36] ኲሉ ሰብነትካ ፈጺሙ ጸልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ ኲሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።

[37] ኢየሱስ እዙይ ክዛረብ እንተሎ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽመስሕ ጸውዖ፤ ኣትዩ ኸዓ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።

[38] እቲ ፈሪሳዊ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ኸም ዘይተሓጸበ ምስ ረአየ ተገረመ።

[39] ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ተጽርዩ ውሽጥኹም ግና ኸትርን ክፍኣትን ዝመልአ እዩ።

[40] ኣቱም ግብዛት እቲ ንዝባኑ ዝፈጠረ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ?

[41] ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፤ ድኅርዙይ ኲሉ ነገር ጽሩይ ክኾነልኩም እዩ።

[42] ኣቱም ፈሪሳውያን ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኲሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይኃደግኩምስ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ።

[43] ኣቱም ፈሪሳውያን ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዝለዓለ መቐመጢ ኣብ ዕዳጋውን ኢድ ክነሥኡልኩም ትደልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም!

[44] ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊጽዎ ዝኃልፍ ዘይርአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!

[45] ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ መምህር! ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትጸርፈና ኢኻ ዘለኻ በሎ።

[46] ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ ንስኻትኩም ሊቃውንቲ ሕጊውን ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ ንባዕልኻትኩም ግና ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ አይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም!

[47] ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሓንጹ ኢኹም እሞ ወይለኹም!

[48] ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ተሓንጹ ኢኹም እሞ ንስኻትኩም ተኃባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም።

[49] ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሔር ከምዙይ በለት፦ ነቢያትን ሓዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙኃት ክቐትልዎምን ከሳጉጕዎምን እዮም።›

[50] -

[51] እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነቢያት ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሠውዕን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ።

[52] ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ መርኆ ፍልጠት ኂዝኩም እንተለኹም ንባዕልኻትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!

[53] ካብኡ ምስ ወፀ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ክቃወምዎን ብዛዕባ ብዙኅ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ።

[54] ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ኻብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይጸናጸንዎ ነበሩ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters