Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:03

[1] በቲ ወርኃት እቱይ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ ደሞም ምስ መሥዋዕቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።

[2] ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ ካብ ኲሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ኃጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም?

[3] ኣይፋሉን፤ እንተ ዘይተነሲሕኹምስ ኲልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።

[4] ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሠርተ ሸሞንተኸ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዂሎም ሰባት ዝበዝኅ ኃጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?

[5] ኣይፋሉን፤ እንተ ዘይተነሲሕኹምስ ኲልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም በሎም።

[6] ኢየሱስ ነዝ ምስላዙይ ድማ ነገሮም፦ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፤ ግና ኣይረኸበላን።

[7] ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ እንሆ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ ሠለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቊረጻ፤ ንምንታይከ መሬት እተጽርዕ? በሎ።

[8] ንሱ ግና ጐይታይ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ ድዂዒውን ኽሳዕ ዘፍስሰላ ነዛ ዓመት እዚኣ ኅደጋ።

[9] ንዓመታ እንተ ፈረየት ጽቡቕ፤ እንተዘይኮነ ግና ሽዑ ኽትቖርፃ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ።

[10] ኢየሱስ ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ እናመሃሮም እንተሎ

[11] እንሆ ዓሠርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠት ፈጺማ ኽትቀንዕውን ኣይትኽእልን ነበረት።

[12] ኢየሱስ ምስ ረአያ ጸዊዑ ኣቲ ሰበይቲ! ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ በላ።

[13] ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሔር ድማ ኣመስገነት።

[14] እቲ መራሒ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ግና ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቖጢዑ ነቶም ሕዝቢ ኽሥርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልትታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መጺእኹም ተፈወሱ እምበር ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን ኢሉ ተዛረቦም።

[15] ጐይታ ኸዓ፦ ኣቱም ግብዛት ነፍስ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ?

[16] እንሆ እዛ ዓሠርተ ሸሞንተ ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን? ኢሉ መለሰሉ።

[17] እዙይ ምስ በለ እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ዂሎም ኃፈሩ እቶም ሕዝቢ ኸዓ በቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ዘደንቕ ግብርታት ኲሉ ተሓጐሱ።

[18] ድኅርዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ መንግሥቲ እግዚኣብሔር እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ?

[19] ሰብ ወሲዱ ኣብ ሥፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኣብ ጨናፍራ ሠፈረን ሠርሓ።

[20] ደጊሙውን፦ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ብምንታይ እየ ዝምስላ?

[21] ሰበይቲ ወሲዳ ዂሉ ኽሳዕ ዝበኲዕ ኣብ ሠለስተ መሥፈር ሕሩጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሒቕ እያ እትመስል በለ።

[22] ድኅርዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ የኃልፍ ነበረ።

[23] ሓደ ሰብኣይ ከዓ ጐይታይ! እቶም ዝድኅኑስ ውሑዳት ድዮም? በሎ።

[24] ንሱ ድማ፦ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙኃት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።

[25] በዓል ገዛ ተሢኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ ጐይታ! ጐይታ! ክፈተልና› እናበልኩም ማዕጾ ኽትኲሕዂሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ!› ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።

[26] ሽዑ ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ› ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።

[27] ንሱ ኸዓ ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ ዂልኻትኩም ካባይ ረኃቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ› ክብል እዩ።

[28] ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ንዂሎም ነቢያትን ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ምስ ረአኹምዎም ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።

[29] ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመጹ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔርውን ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም።

[30] እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳኅረዎት ዳኅረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም በሎም።

[31] በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መጺኦም ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ ኻብዙይ ወፂእኻ ኺድ በልዎ።

[32] ንሱ ግና፦ ኼድኩም ነዛ ውኻርያ እንሆ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ አውፅእ፤ ሕሙማት አሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍጽም እየ።

[33] ሎምን ጽባሕን ድኅሪ ጽባሕን ንኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ ነቢይ ኣብ ኢየሩሳሌም እምበር ኣብ ወፃኢ ኽቕተል ኣይግብኦን እዩሞ በልዋ።

[34] ኢየሩሳሌም! ኢየሩሳሌም! ንነቢያት እትቐትሊ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም ክንደይ ሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።

[35] እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ› ክሳዕ እትብሉ ኣይትርእዩንን ኢኹም በሎም።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters