Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 10:01

[1] ፋሲካ ዝበሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።

[2] ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ነቶም ሕዝቢ ይፈርኁ ስለ ዝነበሩ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ ይበላሓቱ ነበሩ።

[3] ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ኃደረ። ንሱ ኻብቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ነበረ።

[4] ከይዱ ኸዓ ከመይ ገይሩ ኣኅሊፉ ኸም ዝህቦም ምስቶም ሊቃነ ካህናትን ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ።

[5] ንሳቶም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ድማ ተወዓዓልዎ።

[6] ይሁዳ ድማ ተሰማምዖም፤ ሕዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኸትኅዞውን ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

[7] እታ ንፋሲካ በጊዕ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በጽሐት።

[8] ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ዮሓንስን በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ ኬድኩም ኣዳልዉልና ኢሉ ለኣኾም።

[9] ንሳቶም ከዓ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ? በልዎ።

[10] ንሱ ድማ እንሆ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹም ዕትሮ ማይ ዝፆረ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ሰዓብዎ።

[11] ነቲ በዓል ገዛ ኸዓ መምህር እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ መቐበል ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ› በልዎ።

[12] ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ደብሪ ዝተነጸፈ ገፊሕ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩሞ ኣብኡ ኣዳልዉልና በሎም።

[13] ከይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ በጊዕ ፋሲካውን ኣዳለዉ።

[14] እታ ሰዓት ምስ በጽሐት ኢየሱስ ምስቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።

[15] ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ቅድሚ መከራይ ምሳኻትኩም በጊዕ ፋሲካ ኽበልዕ ብዙኅ ሃረር ኢለ ነይረ።

[16] እዙይ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክሳዕ ዝፍጸም ደጊም ካብዙይ ከም ዘይበልዕ እብለኩም ኣለኹ።

[17] ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፦ እንኩ እዙይ ንዂልኻትኩም ተኻፈልዎ።

[18] መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክሳዕ እትመጽእ ካብ ፍረ ወይኒ ኸምዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ፤ በለ።

[19] ኅብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቖሪሱ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ሥጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ እናበለ ሃቦም።

[20] ከምኡውን ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ እዝ ጽዋዕ እዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር ሓድሽ ኪዳን እዩ።

[21] ግና ኢድ እቲ ዘትኅዘኒ ኣብ ማእዲ ምሳይ እኒሃ።

[22] ወዲ ሰብስ ከምቲ ዝተጽሓፈሉ ክኸይድ እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣኅሊፉ ዘትኅዞ ግና ወይልኡ! በለ።

[23] ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ከም ዝኾን ንስንሳቶም ተጠያየቑ።

[24] ብድኅሪኡ እቶም ደቀ መዛሙርት ካብ መንጎኣቶም መን ከምዝዓቢ ንስንሳቶም ተኻትዑ ።

[25] ሽዑ ኢየሱስ፦ ነሕዛብ ነገሥታቶም ይገዝእዎም፤ እቶም ሥልጣን ዘለዎም ከዓ ገበርቲ ሠናይ ይበሃሉ።

[26] ንስኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይትኹኑ፤ ኣባኻትኩም እቲ ዓብዪ ኸም ንእሽተይ እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ ኸም ኣገልጋሊ ይኹን።

[27] ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን ካብቲ ዘገልግልን ኣይናይ የዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።

[28] ንስኻትኩም ብመከራይ ምሳይ ዝተዓገሥኩም ኢኹም እሞ

[29] -

[30] ኣብታ መንግሥተይ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑ ን ክትሰትዩን ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ ንዓሠርተ ኽልተ ነገደ እስራኤል ክትፈርዱ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግሥቲ ዝሃበኒ ንኣኻትኩም ከዓ ኣነ መንግሥቲ እህበኩም ኣለኹ በሎም።

[31] ኢየሱስ ስምዖን! ስምዖን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ።

[32] ኣነ ግና እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ጸልየ ኣለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነኅዋትካ ኣጸናንዓዮም በሎ።

[33] ስምኦን ግና ጐይታይ ኣነስ ንማእሰርቲ ኾነ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ በሎ።

[34] ንሱ ግና ጴጥሮስ! ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ኸምዘይትፈልጠኒ ሠለስተ ሻዕ ኸም እትኽሕደኒ እብለካ ኣለኹ በሎ።

[35] ኣስዒቡ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ እቲ ብዘይ ሳንጣ ብዘይ ስንቂ ብዘይ ሣእኒ ምስ ለኣኽኩኹምስ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ? በሎም። ንሳቶም ከዓ ዝጐደለና ኣይነበረን በልዎ።

[36] ሕዚ ግና ሳንጣ ዘለዎ ይማላእ፤ ከምኡውን ስንቂ፤ እቲ ዘይብሉ ኽዳኑ ሸይጡ ሰይፊ የዓድግ።

[37] እብለኩም ኣለኹ፤ ምስ ዓመፅቲ ተቖጸረ› ዝብል ጽሑፍ ኣባይ ክፍጸም ግድን እዩ። እወ እቲ ብዛዕባይ ዝተጽሓፈ ዂሉ ኽፍጸም እዩ በሎም።

[38] ንሳቶም ከዓ ጐይታ! እንሆ ኣብዙይ ክልተ ሰይፍታት ኣለዉ በልዎ። ንሱ ድማ የኣክል በሎም።

[39] ኢየሱስ ወፂኡ ኸምቲ ልማዱ ኽጽሊ ናብ ደብረ ዘይት ከደ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ።

[40] ኣብታ ሥፍራ ምስ በጽሐ ኸዓ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ጸልዩ! በሎም።

[41] ንሱ ድማ ኻብኣቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርኂቑ ተንበርኪኹ

[42] ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተኾይኑስ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣኅልፋ፤ ግና ፍቓድካ ድኣ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን እናበለ ጸለየ።

[43] ዘበራትዖ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ተርኣዮ።

[44] የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ ኣበርቲዑ ጸለየ። ረሃጹ ኸም ነጠብጣብ ደም ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።

[45] ካብ ጸሎቱ ተሢኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ካብ ኃዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም።

[46] ንሱ ኸዓ ስለምንታይ ትድቅሱ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ተሢእኹም ጸልዩ በሎም።

[47] ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ እንሆ ብዙኃት ሰባት መጹ፤ ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ።

[48] ኢየሱስ ድማ ይሁዳ! ንወዲ ሰብ ብምስዓምዶ ተትኅዞ ኣለኻ? በሎ።

[49] እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ጐይታ! ብሰይፊ ኽንወቕዖም ትፈቅድ ዲኻ? በልዎ።

[50] ሓደ ኻብኣቶም ድማ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረጾ።

[51] ኢየሱስ ግና ኅደግ የኣክል ኢሉ እዝኑ ዳህሲሱ ኣሕወዮ።

[52] ኢየሱስ ነቶም ክኅዝዎ ዝመጹ ሊቃነ ካህናትን ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ኂዝኩም መጺእኹምኒ?

[53] ኲሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን ጊዜ ሥልጣን ገዛኢ ጸልማትን እዩ በሎም።

[54] ኂዞም ድማ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ርኅቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።

[55] ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስውን ኣብ መንጎኦም ተቐሚጡ ነበረ።

[56] ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ ኣትኲራ ጠሚታ እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ በለት።

[57] ንሱ ግና ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኸሓደ።

[58] ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ ኻልእ ምስ ረአዮ ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ በሎ። ጴጥሮስ ግና ኣታ ሰብኣይ ኣይኮንኩን በሎ።

[59] ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ኃለፈ ድማ ኻልእ ሰብ እዙይ ገሊላዊ እዩ፤ ብርግጽውን ምስኡ ነይሩ እዩ እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ።

[60] ጴጥሮስ ግና ኣታ ሰብኣይ ነዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ በለ። እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ሽዑ ደርሆ ነቀወ።

[61] ጐይታ ኢየሱስ ድማ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ሠለስተ ሻዕ ኽትክሕደኒ ኢኻ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ።

[62] ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ መሪር ብኽያት በኸየ።

[63] እቶም ንኢየሱስ ዝኃዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።

[64] ገጹ ሸፊኖም ድማ ይጸፍዕዎ እስኪ ተነበየልና መን እዩ ዝጸፍዐካ? እናበሉ ይጥይቕዎ ነበሩ።

[65] እናጸረፉ ኸዓ ብዙኅ ካልእ ነገራት በልዎ።

[66] -

[67] ምስ ወግሐ ዓበይቲ ሕዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም ናብ መጋባእያ ወሰድዎ። ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ እስኪ ንገረና በልዎ። ንሱ ኸዓ እንተነገርኩኹም ኣይተኣምኑንን፤

[68] እንተ ጠየቕኩኹም ድማ ኣይትምልሱለይን ኣይትሰዱንንውን ኢኹም።

[69] ካብ ሕዚ ግና ወዲ ሰብ ብየማን ኃይሊ እግዚኣብሔር ክቕመጥ እዩ በሎም።

[70] ኲሎም ከዓ እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ? በልዎ። ንሱ ድማ ከምኡ ኸም ዝኾንኩስ ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም በሎም።

[71] ንሳቶም ከዓ ባዕልትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕናኸ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና? በሉ።

ወንጌል ሉቃስ — Chapters