[1] ሰንበት ምስ ኃለፈት ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያዕቆብን ሰሎሜን ሥጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑ ዝ ሽቱ ዓደጋ።
[2] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ናብቲ መቓብር ገሥገሣ።
[3] ንስንሳተን ከዓ ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ? ተባሃሃላ፤ እቲ እምኒ ኼርና ገዚፍ ነበረ እሞ።
[4] ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ።
[5] ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ ኣብ ወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።
[6] ንሱ ግና ኣይትደንግፃ! ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሢኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ እተቐብረሉ ቦታ እንሆ።
[7] ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም› ኢልክን ንገራኦም በለን።
[8] ፍርኃትን ራዕድን ምድናቕን ኂዝወን ነበረ እሞ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪኀን ስለ ዝነበራ ኸዓ ንሓደኳ ኣይነገራን።
[9] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ምስ ተሥአ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርአያ።
[10] ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም።
[11] ንሳቶም ግና ንሱ ሕያው ከምዝኾነን ንአኣውን ከም ዝተርአያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።
[12] ድኅርዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርአዮም።
[13] ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብጾቶም ነገርዎም፤ እንተኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።
[14] ብድኅሪኡ ነቶም ዓሠርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርአዮም፤ ነቶም ምስ ተሥአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ ብዘይ ምእማኖምን ትረት ልቦምን ገሠጾም።
[15] ከምዙይውን በሎም፦ ናብ ኲሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዂሉ ፍጥረት ከዓ ወንጌል ስበኹ።
[16] እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን ክድኅን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና ክዂነን እዩ።
[17] ነቶም ዝኣምኑ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ
[18] ኣትማን ክኅዙ ዝቐትል እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን እዩ፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተንበሩ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።
[19] ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሔርውን ተቐመጠ።
[20] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ወፂኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሠርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የጽንዖ ነበረ። ኣሜን።