ራእይ ዮሓንስ 1
[1] ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ ነገልገልቱ ምእንቲ ኽገልጸሎም ኢሉ እግዚኣብሔር ንመልኣኹ ልኢኹ ንኣገልጋሊኡ ዮሓንስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸሉ ራእይ እዙይ እዩ።
[2] ዮሓንስ ከዓ ስለ ቓል እግዚኣብሔርን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመሃሮ ሓቅን ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ዂሉ ነገር መስከረ።
[3] እቲ እዙይ ዝፍጸመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ ብፁዕ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎ ዝፍጽምዎንውን ብፁዓን እዮም።
[4] -
[5] ካብ ዮሓንስ ናብተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን፦ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን ካብቲ ካብ ሞት ብምትሣእ በዂሪ ዝኾነን እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና ካብ ኃጢኣትናውን ብደሙ ሓራ ዘውፅአና
[6] ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ኽነገልግል ድማ ነገሥታትን ካህናትን ዝገበረና ኽብርን ሥልጣንን ንዘለዓለመ ዓለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
[7] እንሆ ንሱ ብደመና ኽመጽእ እዩ፤ ኲሎም ሰባት እቶም ዝወግእዎውን እንተይተረፉ ኽርእይዎ እዮም፤ ኲሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ ክኸውን እዩ። ኣሜን።
[8] እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኲሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ ይብል ኣሎ።
[9] ኣነ ኣብቲ ብኢየሱስ ዝረኸብናዮ መንግሥቲ መዋርስትኹም ኣብ መከራኹምን ብትዕግሥቲ ምጽናዕኹምን መኻፍልትኹም ዝኾንኩ ኃውኩም ዮሓንስ ቃል እግዚኣብሔር ብምስባኸይን ንኢየሱስ ብምምስካረይን ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት እንተለኹ
[10] ብመዓልቲ ጐይታ [ ሰንበት] ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድኅረይ ከዓ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፦
[11] ነዝ እትርእዮ ዘለኻኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ናብ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን ስደዶ ድማ በለኒ።
[12] መን ከም ዝተዛረበኒ ኽርኢ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩ ድማ ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ረአኹ።
[13] ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ ኽሳዕ እግሩ ዝተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።
[14] ርእሱን ፀጕሩን ከም ጸምሪ ከም በረድውን ፃዕዳ ነበረ፤ ኣዕይንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፤
[15] ኣእጋሩ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ነሃስ ይመስላ ነበራ፤ ድምፁውን ከም ድምፂ ብዙኅ ማያት ነበረ።
[16] ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ኂዙ ነበረ፤ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገጹውን ከምታ ብኃይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።
[17] ምስ ረአኽዎ ድማ ኸም ዝሞተ ሰብ ኮይነ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣይትፍራኅ! እቲ ቐዳማይን እቲ ዳኅረዋይን
[18] እቲ ሕያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያው እየ፤ ኣብ ልዕሊ ሞትን ሲኦልን ከዓ ሥልጣን ኣለኒ።
[19] እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን ነዝ ዘሎን ነቲ ድኅርዙይ ክኸውን ዘለዎን ጸሓፍ።
[20] ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፦ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን መላእኽቲ እየን፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን እየን በለኒ።