Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:36

[1] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ሕያው ተብሂልካ ኢኻ እትጽዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።

[2] ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ፍጹም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ ንቑሕ ኹን፤ ነቲ ተሪፉካ ዘሎ ኸይሞተ እንተሎ ኣበርትዓዮ።

[3] ደጊም እንታይ ከም ዝተምሃርካን ከም ዝሰማዕኻን ዘክር። ሓልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይትፈልጥን ኢኻ።

[4] ኣብ ሰርዴስ ግና ኽዳዉንቶም ዘየርስሑ ዉሑዳት ሰባት ኣለዉኻ። ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ክነብሩ እዮም።

[5] እቲ ዘሥዕር ከምኣቶም ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ክኽደን እዩ፤ ኣነዉን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ሕይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።

[6] እዘኒ ዘለዎ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዘብለን ዘሎ ይስማዕ።

[7] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያዉን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ቕዱስ ሓቀኛ መርኆ ዳዊት ዘለዎ ንሱ ምስ ከፈተ ሓደኳ ኽዓጹ ዘይኽእል ንሱ ምስ ዓጸወ ኸዓ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

[8] ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ ንስመይዉን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓጽዎ ዘይኽእል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።

[9] እንሆ ካብቶም ማኅበር ሰይጣን ዘኾኑ ኣይሁድ እንተይኮኑ ሓስዮም ኣይሁድ ኢና ዘብሉ መጺኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም ከም ዘሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካዉን ከፍልጦም እየ።

[10] ነቲ ተዓገሥ ዘብል ትእዛዘይ ድማ ስለ ዘሓለኻዮ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኲላ ዓለም እትመጽእ ጊዜ ፈተና ኽሕልወካ እየ።

[11] ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ። ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ ነቲ ዘለካ ኣጽኒዕኻ ኃዞ።

[12] ነቲ ዘስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣ ኸቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን ኣብ ልዕሊኡ ኽጽሕፍ እየ። እዛ ኸተማ እዚኣ እታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ ኢየሩሳሌም እያ። ነቲ ሓድሽ ስመይዉን ኣብ ልዕሊኡ ኽጽሕፎ እየ።

[13] እዘኒ ዘለዎ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዘብለን ዘሎ ይስማዕ።

[14] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያዉን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ኣሜን እሙንን ሓቀኛን ምስክር ቅድሚ ዂሉ ፍጥረት ዘነበረ እግዚኣብሔር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

[15] ግብርኻ ዂሉ እፈልጦ እየ፤ ኣይዘሑል ኣይምዉቕ ኢኻ፤ ኣበይሞ ዘሑል ወይ ምዉቕ ከምኮንካ!

[16] ስለዙይ ኣይምዉቕ ኣይዘሑል ልህብ ዘበለ ስለ ዘኾንካ ካብ ኣፈይ እንትፍ ክብለካ እየ።

[17] ሃብታምን ዘሰሰነለይን እየ፤ ሓደኳ ዘጐድለኒ ነገር የብለይን ብምባልካ ሕሱርን ዘደንግጽን ድኻን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ።

[18] ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዘጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን ክትክደንን ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒይንትኻ ኽትኰሓለሉዉን ኲሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ።

[19] ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም እግሥጾምን እቐጽዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ።

[20] እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደዉ ኢለ ማዕፆ እዂሕዂሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡዉን ክበልዕ እየ፤ ንሱዉን ምሳይ ክበልዕ እዩ።

[21] ከምቲ ኣነ ዘሰዓርኩ እሞ ምሰቦይ ኣብ ዙፋኑ ዘተቐመጥኩ ነቲ ዘስዕርዉን ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ ክፈቕደሉ እየ።

[22] እዘኒ ዘለዎ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዘብለን ዘሎ ይስማዕ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters