ራእይ ዮሓንስ 5
[1] ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብዉሽጡን ብደጊኡን ዘተጽሓፈ ብሸዉዓተ ማኅተም ዘተኃትመ ጥቕሉል መጽሓፍ ረአኹ።
[2] ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ነዘ መጽሓፍ እዙይ ክቐልዖ ንማኅትሙዉን ክፈትሖ ዘበቅዕ መን ኣሎ? እናበለ ብብርቱዕ ድምፂ ዓዉ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ።
[3] ነቲ መጽሓፍ እቱይ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዘኽእል ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሓደኳ ኣይነበረን።
[4] ኣነ ድማ ነቲ መጽሓፍ ዘቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ ብዙኅ በኼኹ።
[5] ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዘርኢ ዳዊት ዘኾነ ኣንበሳ ነቲ መጽሓፍን ነቲ ሸዉዓተ ማኅተማቱን ክኸፍቶ ስዒሩ ኣሎ በለኒ።
[6] ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋን ተሓሪዱ ኸም ዘነበረ ዘመስል በጊዕ ደዉ ኢሉ ረአኹ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበሩ። ንሱ ሸዉዓተ አቕርንትን ሸዉዓተ አዕይንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ እቶም ናብ ኲላ ምድሪ ዘተልኣኹ ሸዉዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሔር እዮም።
[7] እቲ በጊዕ መጺኡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ወሰዶ።
[8] ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍስ ወከፎም ከዓ መሰንቆን ዕጣን ዘመልአ ጽዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።
[9] ከምዙይ እናበሉ ኸዓ ሓድሽ መዘሙር ዘመሩ፦ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ ነቲ ማኅተሙዉን ክትፈትሖ ይግበአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ ብደምካ ድማ ኻብ ኲሉ ዓሌታትን ቋንቋታትን ሕዘብን ኣሕዛብን ንእግዚኣብሔር ዘኾኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻሞ፤
[10] ንኣምላኽና ዘገልግሉ መንግሥትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ምድሪ ኽነግሡ እዮም።
[11] ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከዓ ድምፂ ብዙኃት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቝጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ኣሽሓት ጊዜዉን ኣሽሓት እዩ።
[12] ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ኸዓ ነቲ ዘተሓረደ በጊዕ ሥልጣን ሃብቲ ጥበብ ኃይሊ ኽብሪ ግርማ ዉዳሴ ይግብኦ እዩ! በሉ።
[13] እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብኣቶም ዘለዉ ዂሎም ፍጡራን ድማ፦ ዉዳሴን ክብርን ግርማን ሥልጣንን ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ በጊዕን ይኹን! ክብሉ እንተለዉ ሰማዕኹ።
[14] እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ ኣሜን! በሉ። እቶም ኣሕሉቕዉን ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።