Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:43

[1] ድኅርዙይ እንሆ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዘጥዕም ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዘሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ ነቲ ብድኅሪ ሕዚ ክኸዉን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ ነዓ ናብዙይ ደይብ በለኒ።

[2] ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተቐሪቡ ኣብቲ ዙፋንዉን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።

[3] እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘነበረ ኸዓ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ መረግድ ዘመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።

[4] ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ ዕሥራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትዉን ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ዘተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዘደፍኡ ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ተቐሚጦም ረአኹ።

[5] ካብቲ ዙፋን ከዓ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንዉን ሸዉዓተ ናይ ሓዊ መባርህ ይነዱ ነበሩ። ንሳቶም ሸዉዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሔር እዮም።

[6] ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ ዘንጸባርቕ መስትያት ዘመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን በብመኣዘኑ ብቕድሚቶምን ብድኅሪቶምን ኣዕይንቲ ዘመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ።

[7] እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ኸዓ ናይ ሰብ ዘመስል ገጽ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዘነፍር ንስሪ ይመስል።

[8] እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብዉሽጦምን ኣዕይንቲ ዘመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን እንተየቋረጹ ድማ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኲሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘነበረን ዘሎን ዘመጽእን ካብ ምባል ኣየቋርጹን ነበሩ።

[9] እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ኮይኑ ንዘነብር ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ

[10] እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ኮይኑ ዘነብር ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦

[11] ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ኽብርን ምስጋናን ሥልጣንን ይግበአካ እዩ። ንዂሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዘኾነ ድማ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ በሉ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters