ራእይ ዮሓንስ 22
[1] ድኅርዙይ እቲ መልኣኽ ካብ ናይ እግዚኣብሔርን ካብ ናይቲ በጊዕን ዙፋን ዘወፅእ ከም መስትያት ዘምጽራዩ ሩባ ማይ ሕይወት ኣርኣየኒ።
[2] ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ ይዉኅዘ ነበረ። ነቲ ሩባ ብኽልተ ጐኑ ድማ በብወርኁ እናፈረየት ኣብ ዓመት ዓሠርተ ኽልተ ጊዜ ፍረ እትህብ ኦም ሕይወት ነበረት። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ ንዂሉ ሕዘቢ ዘፍዉስ ነበረ።
[3] ድኅሪ ደጊምስ መርገም ኣብኣ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ናይ እግዚኣብሔርን ናይቲ በጊዕን ዙፋን ኣብኣ ክኸዉን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱዉን ከምልኽዎ እዮም፤
[4] ገጹ ኽርእዩ እዮም፤ ስሙዉን ኣብ ግምባሮም ክጸሓፍ እዩ።
[5] እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ ድኅሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸዉንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንዉን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለዓለመ ዓለምዉን ክነግሡ እዮም።
[6] ሽዑ እቲ መልኣኽ ከምዙይ በለኒ፦ እዘን ቃላት እዚኣተን እሙናትን ሓቅን እየን። እቲ ንነቢያት መንፈሱ ዘህብ ኣምላኽ ነቲ ቐልጢፉ ክኸዉን ዘግብኦ ነገር ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።
[7] ኢየሱስ ከዓ እንሆ! ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ! እቲ ንቓላት ትንቢት እዘ መጽሓፍ እዙይ ዘሕሉ ኸዓ ብፁዕ እዩ! በለኒ።
[8] ነዘ ነገር እዙይ ዘሰማዕኽዎን ዘረአኽዎን ኣነ ዮሓንስ እየ። ምስ ሰማዕኹን ምስ ረአኹን ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ነዘ ነገር እዙይ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተደፋእኹ።
[9] ንሱ ኸዓ ኅደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣኅዋትካ ነቢያትን ከምቶም ንቓላት እዘ መጽሓፍ እዙይ ዘሕልዉን ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሔር ደኣ ስገድ! በለኒ።
[10] ብድኅሪ እዙይዉን እቲ መልኣኽ እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ ንቓል ትንቢት እዘ መጽሓፍ እዙይ ምሥጢር ጌርካ ብማኅተም ኣይትዕጸዎ።
[11] እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ጻድቕ ይጽደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ በለኒ።
[12] ኢየሱስ ከዓ እንሆ! ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፤ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ።
[13] ኣልፋን ኦሜጋን ቀዳማይን ዳኅረዋይን መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።
[14] ናብታ ኸተማ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን ካብታ ኦም ሕይወት ፍረ ንምብላዕ መሰል ምእንቲ ኽረኽቡን ክዳዉንቶም ዘሓጽቡ ብፁዓን እዮም።
[15] እቶም ከም ኣኽላባት ዘኾኑ ጠንቈልቲ ኣመንዘራታት ቀተልቲ ሰብ መምለኽቲ ጣዖት እቶም ንሓሰት ዘፈትዉን ዘገብሩን ኲሎም ግና ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።
[16] ኣነ ኢየሱስ ነዘ ነገር እዙይ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያን ክምስክረልኩም ኢለ ንመልኣኸይ ሰደድክዎ። ኣነ ኻብ ሡር ዳዊትን ዘርኡን ዘኾንኩ እቲ ብሩህ ኮኸብ ጽባሕ እየ በለ።
[17] መንፈስ ቅዱስን እታ መርዓትን ነዓ! ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዘሰምዕዉን ነዓ! ይበል። ዘጸምአ ኸዓ ይምጻእ፤ ዘደለየዉን ማይ ሕይወት ብኸምኡ ይዉሰድ።
[18] ኣነ ነዘ ኣብዘ መጽሓፍ እዙይ ዘሎ ቓል ትንቢት ንዘሰምዑ ዂሎም አጠንቅቖም ኣለኹ፦ ሓደኳ ናብዘን ቃላት እዚኣተን እንተ ወሰኸ እግዚኣብሔር ከዓ ኣብዘ መጽሓፍ እዙይ ተጽሒፉ ዘሎ መቕሠፍቲ ኽዉስኸሉ እዩ።
[19] ሓደ ሰብ ካብ ቃላት እዘ ትንቢት እዙይ እንተጕደለ እግዚኣብሔር ካብተን ኣብዘ መጽሓፍ እዙይ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ሕይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።
[20] እቲ ነዘ ነገር እዙይ ዘምስክር እወ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ! ይብል ኣሎ። ኣሜን ጐይታ ኢየሱስ ነዓ!
[21] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ኲልኻትኩም ቅዱሳን ይኹን። ኣሜን።