Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:35

[1] ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን ኃው ያዕቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ ናብቶም ጽዉዓት ብእግዚኣብሔር ኣብ ፍቑራትን ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን

[2] ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝኀልኩም።

[3] ኣቱም ፍቑራተይ! ብዛዕባ እታ ናይ ኲልና ዝኾነት ድኅነት ክጽሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም ክጽሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።

[4] ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተጽሓፈሎም ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ሰባት ኣብ ማእኸልኩም ሰሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተውሃበና ናይ ጸጋ መልእኽቲ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን ነቲ ሓደ በይኑ ንጉሥናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድዎን እዮም።

[5] ንዂሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳጐይታ ንሕዝቡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውፂኡ ኸም ዘድኃኖም ነቶም ዘይኣምኑ ግና ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

[6] ነቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲውን በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ ብናይ ዘለዓለም መቝሕ ኣብ ጸልማት ኣሲሩ ኣጽኒሕዎም ኣሎ።

[7] ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራንእተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ብዘይኮነ ግብረ ሥጋውን ፈጸማ። በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ከዓ ብዘለዓለማዊ ሓዊ ንዝቕጽዑ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።

[8] ከምኡ ኸዓ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሕልሞም እናተመርሑ ሰብነቶም የርክሱ፤ ንሥልጣን ኲሉ የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይጸርፉ።

[9] ሊቀ መላእኽት ሚካኤል እኳ ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ እግዚኣብሔር ይገሥጽካ ደኣ በሎ እምበር ብጸርፊ ክዂንኖ ኣይደፈረን።

[10] እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ዂሉ ይጸርፍዎ፤ እቲ ኸም እንስሳ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ ንባዕልቶም የጥፍኦም ኣሎ።

[11] ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ ከም ቆሬ ስለ ዝዓመጹውን ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!

[12] እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ጸየቕቲ እዮም፤ እንተይኃፈሩ ብስድነት ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕልቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳክልተ ሻዕ ዝሞታ ብእዋን ፍረ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።

[13] ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ ነቲ ነውራም ተግባራቶም ከም ዝዓፍር ዝገብሩ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ይጽበዮም ኣሎ።

[14] -

[15] እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ እንሆ! ጐይታ ንዂላቶም ክፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ መጺኡ ኣሎ። ነቶም ፍርኃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኲላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዂሉ ኽፉእ ግብርን ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ኃጢኣተኛታት ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዂሉ ዘረባ ድፍረት ክቐጽዖም እዩ ኢሉ ተነበየሎም።

[16] እዚኣቶም መዕረምረምቲ ዘይሕጉሳት ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ ገጽ ሪኦም ይጥብሩ።

[17] ኣቱም ፍቑራተይ! ንስኻትኩም ግና ነቲ እቶም ሓዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።

[18] ንሳቶም ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ መላገጽቲ ኽትሥኡ እዮም። እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።

[19] እዚኣቶም ፍልልይ ዘምጽኡብሥጋዊ ድልየቶም ዝምርሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም።

[20] ኣቱም ፍቑራተይ! ንስኻትኩም ግና በታ ልዕሊ ኹሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም ብመንፈስ ቅዱስ ጸልዩ።

[21] ነቲ ናብ ሕይወት ዘለዓለም ዘብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም ከዓ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓልውዋ።

[22] ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም።

[23] ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኦም ድማ ነቲ ብትምኒት ሥጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኹም ንርእስኹምውን እናፈራኅኹም ራህርሁሎም።

[24] ነቲ ኻብ ውድቐት ክሕልወኩም ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ

[25] ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ መድኃኒና ዝኾነ እግዚኣብሔር ቅድሚ ዂሉ ዘመናትን ሕዝን ንዘለዓለመ ዓለምን ክብሪ ግርማ ኃይሊ ሥልጣን ይኹኖ! ኣሜን።