Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:37

[1] ብድኅርዙይ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ኃሊፎም እዮም እሞ ባሕሪዉን ደጊም ኣይህሉን።

[2] እታ ቕድስቲ ኸተማ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዘተሸለመት መርዓት ተዳልያ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሔር ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።

[3] ካብቲ ዙፋን ድማ ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ደጊም መኅደሪ ኣምላኽ ምስ ሰብ ኮነ ምስኣቶምዉን ክነብር እዩ። ንሳቶም ሕዘቡ ክኾኑ እዮም እግዚኣብሔር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር ኣምላኾምዉን ክኸዉን እዩ።

[4] እግዚኣብሔር ከዓ ንብዓት ካብ ኣዕይንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሥርዓት ኃሊፉ እዩ፤ እንሆ ዂሉ ተሓዲሱ እዩሞ ድኅሪ ደጊምዉን ኃዘን ወይ ኣዉያት ወይ ሥቓይ ኣይኸዉንን እዩ እንትብል ሰማዕኹ።

[5] እቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ እንሆ! ኣነ ንዂሉ እሕድሶ ኣለኹ! በለ። ቀጺሉ ድማ እዘ ቓል እዙይ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ጸሓፎ! በለኒ።

[6] ሽዑ ተፈጸመ! ኣልፋን ኦሜጋን መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዘጸምአ ኻብ ዓይኒ ማይ ሕይወት ክሰቲ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።

[7] እቲ ዘሥዕር ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ ንሱዉን ወደይ ክኾነኒ እዩ።

[8] እቶም ፈራኃትን ከሓድትን ርኹሳትን ቀተልቲ ሰብን ኣመንዘራታትን ጠንቖልትን መምለኽቲ ጣዖትን ኲሎም ሓሰዉትን ግና ክፍሎም ኣብቲ ብሓዉን ዲንን ዘነድድ ቀላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ በለኒ።

[9] ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸዉዓተ መዓት ዘመልኣ ሸዉዓተ ጽዋዕ ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ እቲ ሓደ ናባይ መጺኡ ነታ መርዓት ሰበይቲ እቲ በጊዕ ከርእየካስ ነዓ! በለኒ።

[10] ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊኅን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሔር ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።

[11] ብኽብሪ እግዚኣብሔርዉን ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናዉን ከም የመና ዘኸበረ እምኒ ከምቲ ዘንጸባርቕ እምኒ ኢያሰጲድ ይመስል ነበረ።

[12] ዓሠርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ዘለዎ ዓብይን ነዊኅን ቅጽሪ ነበራ፤ ኣብቲ ኣፍ ደገታትዉን ዓሠርተ ኽልተ መላእኽቲ ነበሩ። ስም ናይቶም ዓሠርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ተጽሒፉ ነበረ።

[13] ብምብራቕ ሠለስተ ኣፍ ደገ ብሰሜን ሠለስተ ኣፍ ደገ ብደቡብ ሠለስተ ኣፍ ደገ ብምዕራብ ሠለስተ ኣፍ ደገ ነበረ።

[14] ቅጽሪ እታ ኸተማ ኸዓ ዓሠርተ ኽልተ እምኒ መሠረት ነበሮ። ኣብኡ ድማ ዓሠርተ ኽልተ ስም ናይቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት እቲ በጊዕ ነበረ።

[15] እቲ ዘዛረበኒ ዘነበረ መልኣኽ ከዓ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅጽራን ምእንቲ ኽዕቅነሉ ብወርቂ ዘተሠርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።

[16] እታ ኸተማ ኣርባዕተ መኣዘን ነበራ፤ ምንዋኃን ምግፋሓን ከዓ ማዕረ ነበረ። በቲ ዘንጊ ኸዓ ነታ ኸተማ ዓቀና። ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሜትር ድማ ኾነት። ምንዋኃን ምግፋሓን ቁመታን ማዕረ ነበረ።

[17] ነቲ ቕጽራ ዓቀኖ። በቲ መልኣኽ ዘዕቅነሉ ዘነበረ እመት ሰብኣይ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ኮነ።

[18] እቲ ቕጽራ ድማ ብኢያሰጲድ ዘተነድቀ ነበረ፤ እታ ኸተማዉን ጽሩይ መስትያት ብዘመስል ብጽሩይ ወርቂ ዘተሠርሐት ነበረት።

[19] መሠረት ቅጽሪ እታ ኸተማ ድማ ብበብዓይነቱ ኽቡር እምኒ ዘጌጸ ነበረ። እቲ ቐዳማይ መሠረት ኢያሰጲድ እቲ ኻልኣይ ሰንፔር እቲ ሣልሳይ ኬልቄዶን እቲ ራብዓይ መረግድ

[20] እቲ ኃምሻይ ሰርዶንክስ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን እቲ ሻዉዓይ ክርስቲሎቤ እቲ ሻምናይ ቢረሌ እቲ ታስዓይ ወራዉሬ እቲ ዓሥራይ ክርስጵራስስ እቲ መበል ዓሠርተ ሓደ ያክንት እቲ መበል ዓሠርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ።

[21] ኣብቲ ዓሠርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ ዓሠርተ ኽልተ አዕናቊ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ኣፍ ደገ ካብ ሓደ ዕንቊ ዘተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ከም መስትያት ዘንጸባርቕ ብጽሩይ ወርቂ ዘተሠርሐ ነበረ።

[22] ኣብታ ኸተማ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ዂሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽን እቲ በጊዕን መቕደሳ እዮም እሞ።

[23] እታ ኸተማ እቲኣ ፀሓይ ወይ ወርኂ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሔር ብርሃና እቲ በጊዕ ኸዓ መብራህታ እዩሞ።

[24] ኲሎም ሕዘብታት ብብርሃና ኽመላለሱ ነገሥታት ምድሪዉን ክብሮም ናብኣ ኸምጽኡ እዮም።

[25] ኣብኣ ለይቲ ዘብሃል ስለ ዘየለ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።

[26] ኣሕዛብዉን ክብሮምን ጌጾምን ናብኣ ኸምጽኡ እዮም።

[27] እቶም ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መጽሓፍ ሕይወት ዘተጽሓፉ ደኣ እምበር ርኽሰት ወይ ዘጸይፍን ሓሰትን ዘገብር ኲሉ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters