Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:37

[1] ብድኅሪ እዙይ እቲ በጊዕ ኣብቲ ጽዮን ተብሂሉ ዘጽዋዕ እምባ ደዉ ኢሉ ረአኹ። ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም ዘተጽሓፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ ምስኡ ነበሩ።

[2] ከም ድምፂ ብዙኅ ማያትን ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዘበለ ኻብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። እቲ ዘሰማዕኽዎ ድምፂ ኸዓ ከምቲ ሰባት በገናኦም ክጻወቱ እንተለዉ ዘስማዕ ድምፂ ነበረ።

[3] ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን ሓድሽ መዘሙር ይዘምሩ ነበሩ። ነዘ መዘሙር እዙይዉን ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዘተቤዘዎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።

[4] እዚኣቶም ምሰንስትዉን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ዘኸዶ ዂሉ ይኽተልዎ። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዂራት ምእንቲ ክኾኑ ኻብ ደቂ ኣዳም ዘተቤዘዎም እዮም።

[5] ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነቐፋዉን የብሎምን።

[6] ድኅርዙይ ካልእ መልኣኽ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ክዘምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩን ንዂሎም ኣሕዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ሕዘብታትን ክሰብከሎም ድማ ናይ ዘለዓለም ወንጌል ኂዙ ነበረ።

[7] ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ እታ ዘፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ ንእግዚኣብሔር ፍርኅዎ! ክብርዉን ሃብዎ! ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዘፈጠረ ስገዱሉ! በለ።

[8] ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዘርናኣ ንዂሎም ኣሕዛብ ከም ዘሰትዩ ዘገበረቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! እናበለ ተኸተሎ።

[9] ካልእ ሣልሳይ መልኣኽ ድማ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ እቲ ነዘ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዘሰገደ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማኅተሙ ዘተቐበለ

[10] ካብቲ ምንም እንተይተኃወሶ ኻብ ጽዋዕ ቝጥዓኡ ዘተቐድሐ ናይ እግዚኣብሔር ወይኒ መዓት ክሰቲ እዩ። ኲሎም እቶም ከምዙይ ዘገበሩ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን ብሓዉን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።

[11] ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ ንዘለዓለመ ዓለም ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዘሰገዱ እቶም ማኅተም ስሙ ዘተቐበሉ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።

[12] እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት ኢየሱስን ዘሕልዉ ቕዱሳን ከዓ ትዕግሥቶም ኣብዙይ እዩ ዘርአ።

[13] ካብ ሰማይ ከዓ እቶም ካብ ሕዚ ንደኃር ብጐይታ ዘሞቱ ብፁዓን እዮም፤ ኢልካ ጸሓፍ ዘብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ እወ! ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም በለ።

[14] ሽዑ ቖላሕ እንተበልኩ እንሆ ፃዕዳ ደመና ረአኹ፤ ኣብቲ ደመና ኸዓ ወዲ ሰብ ዘመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ ደፊኡ ኣብ ኢዱዉን በሊሕ ማዕጺድ ኂዙ ነበረ።

[15] ካልእ መልኣኽ ድማ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሔር ወፂኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ጊዜ ዓጺድ ቀሪቡ ፍረ ምድሪዉን በጺሑ እዩ እሞ ማዕጺድካ ስደዶ! ዕጸድዉን! በሎ።

[16] እቲ ኣብ ደመና ዘተቐመጠ ኸዓ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪዉን ተዓጸደት።

[17] ካልእ መልኣኽ ድማ ኻብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወፀ፤ ንሱዉን በሊሕ ማዕጺድ ኂዙ ነበረ።

[18] ካብቲ መሠዉዒ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ሥልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዘኃዘ መልኣኽ ከዓ ዓዉ ብዘበለ ድምፂ እቲ ዘለላ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቖሪጽካ ኣክቦ! በሎ።

[19] እቲ መልኣኽ ከዓ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዓብዪ መጽመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።

[20] እቲ ወይኒ ድማ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መጽመቝ ተረገጸ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዘበጽሕ ካብቲ መጽመቝ ወፂኡ ክሳዕ ሠለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ድማ ወሓዘ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters