Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:48

[1] ሽዑ እቲ በጊዕ ኻብቲ ሸዉዓተ ማኅተማት ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ነጐድጓድ ብዘመስል ድምፂ ነዓ ርአ እንትብል ሰማዕኹ።

[2] እንሆ ኸዓ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዘተቐመጦ ድማ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልዉን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ።

[3] እቲ በጊዕ ነቲ ኻልኣይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ድማ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ነዓ ርአ በለኒ።

[4] ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዘተቐመጦዉን ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ሥልጣን ተዉሃቦ። ዓብዪ ሰይፊዉን ተዉሃቦ።

[5] ነቲ ሣልሳይ ማኅተም ምስ ፈትሖ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ነዓ ርአ ኽብል እንተሎ ሰማዕኹ። እንሆ ጸሊም ፈረስዉን ረአኹ። እቲ ዘተቐመጦ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።

[6] ካብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምፂ ሰብ ብዘመስል ሓደ መስፈር ስርናይ ብዲናር ሠለስተ ምሸ ስገም ከዓ ብዲናር ዘይትን ወይንን ግና ኣይትጕዳእ! እንትብል ሰማዕኹ።

[7] ነቲ ራብዓይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ኸዓ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ ነዓ ርአ! ኽብል እንተሎ ሰማዕኹ።

[8] እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘነበረዉን ሞት እዩ። ሲኦልዉን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዂናት ብጥሜት ብፌራ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም ንኽቐትሉ ሥልጣን ተዉሃቦም።

[9] ነቲ ሓምሳይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ድማ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሔርን ስለ እቲ ዘሃብዎ ምስክርነትን ዘተሓረዱ ኣብ ትሕቲ መሠዉዒ ረአኹ።

[10] ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ኸዓ፦ ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ።

[11] ንነፍስ ወከፎም ድማ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቊጽሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ኣገልገልትን ኣኅዋቶምን ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ ገና ንቝሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።

[12] እቲ በጊዕ ነቲ ሻድሻይ ማኅተም ክፈትሖ እንተሎ ኸዓ ረአኹ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ወጮ ጸለመት፤ ወርሒውን ኲለንተናኣ ኸም ደም ኮነት።

[13] ኦም በለስ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምሰበላ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ ከምኡ ኸዓ ኸዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።

[14] ሰማይውን ከም ብራና ተጠቕሊሉ ጠፍአ። ኲሎም እምባታትን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።

[15] ነገሥታት ምድርን መሳፍንትን ኣሕሉቕ ሠራዊትን ሃብታማትን ኃያላትን ኲሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ እምባታትን ተኃብኡ።

[16] ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቊጥዓ እቲ በጊዕን ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።

[17] እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ እያሞ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል? በልዎም።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters