Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:58

[1] ሽዑ ሓደ መልኣኽ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን ገዚፍ መቑሕን ኣብ ኢዱ ኂዙ ነበረ።

[2] እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ኃዞ፤ ንሱዉን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዘብሃል ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትዉን ኣሰሮ።

[3] ድኅርዙይ ነሕዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዘፍጸማ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓጽዩ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ማኅተም ገበረሉ። ድኅርዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ይግብኦ እዩ።

[4] ድኅርዙይ ዙፋናት ረአኹ። ነቶም ኣብ ዙፋናት ዘተቐመጡ ኸዓ ኽፈርዱ ሥልጣን ተዉሃቦም። እዚኣቶም እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን ንቓል እግዚኣብሔር ብምብሣሮምን ዘተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም ማኅተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም ሕያዋን ኮይኖም ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሡ።

[5] እቶም ዘተረፉ ምዉታን ግና እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዘፍጸማ ኣይትሥኡን። እዙይ እቲ ቐዳማይ ትንሣኤ እዩ።

[6] ኣብቲ ቐዳማይ ትንሣኤ ዘሳተፉ ብፁዓንን ቅዱሳንን እዮም። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ ምስ ክርስቶስዉን ሽሕ ዓመት ክነግሡ እዮም እምበር እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ሥልጣን የብሉን።

[7] እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈጸማ ኸዓ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ።

[8] ንጎግን ማጎግን ንሳቶምዉን እቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዘን ምድሪ ንዘነብሩ ኣሕዛብ ከስሕቶም ንዉግእዉን ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቊጽሮም ድማ ከም ኁፃ ባሕሪ ነበረ።

[9] ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ምድሪ ወፂኦም ንሠፈር እቶም ቅዱሳንን ነታ ፍትዉቲ ኸተማ ድማ ኸበቡ።

[10] እቲ ዘስሕቶም ዘነበረ ዲያብሎስ ከዓ ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዘተደርበይዎ ቐላይ ሓዉን ዲንን ተደርበየ። ንዘለዓለመ ዓለም ከዓ ለይትን መዓልትን ክሣቐዩ እዮም።

[11] ድኅሪ እዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን ነቲ ኣብኡ ዘተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታዉን ኣይተረኽበሎምን።

[12] ምዉታን ድማ ዓበይትን ኣናእሽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ደዉ ኢሎም ረአኹ። መጻሕፍትዉን ተገለጹ፤ እቲ መጽሓፍ ሕይወት ዘኾነ ካልእ መጽሓፍዉን ተገለጸ። እቶም ምዉታን ድማ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዘጸንሐ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።

[13] ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብ ዉሽጡ ዘለዉ ምዉታን ሃበ። ሞትን ሲኦልንዉን ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታን ሃቡ። ነፍስ ወከፎም ከዓ ኸከም ግብሮም ተፈርዱ።

[14] ሞትን ሲኦልንዉን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዘ ቐላይ ሓዊ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።

[15] ስሙ ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ ዂሉ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters