Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:28

[1] ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርአየ፦ ፀሓይ ዘተወንዘፈት ወርሒ ብእግራ ዘረገጸት ዓሠርተ ኽልተ ከዋኽብቲ ዘለዋ ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዘደፍአት ሓንቲ ሰበይቲ ተርአየት።

[2] ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዘሓዛ ድማ ኽትወልድ ትጸዓር ነበረት።

[3] ካልእ ምልክት ከዓ ኣብ ሰማይ ተርአየ፦ እንሆ ሸዉዓተ ርእስን ዓሠርተ ቐርንን ዘለዎ ኣብቲ ኣራእሱዉን ሸዉዓተ ዘዉዲ ዘደፍአ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርአየ።

[4] ብጭራኡ ድማ ሢሶ ኸዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ስሒቡ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል ሽዑ ምስ ወለደት ነቲ ሕፃን ምእንቲ ኽዉሕጦ ኢሉ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዘቐረበት ሰበይቲ ደዉ በለ።

[5] ንሳ ንዂሎም ኣሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ክገዘኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ ናብ እግዚኣብሔርን ናብ ዙፋኑን ብቕጽበት ተወሰደ።

[6] እታ ሰበይቲ ድማ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንክን ናብ ዘግበረላ ናብታ እግዚኣብሔር ዘዳለወላ ቦታ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።

[7] ኣብ ሰማይ ከዓ ዉግእ ኾነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።

[8] እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዘነበረ ቦታኦም ሰኣኑ።

[9] እቲ ንዂላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዘብሃል ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱዉን ምስኡ ተደርበዩ።

[10] ኣብ ሰማይ ከዓ ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ሕዚ ምድኃንን ኃይልን መንግሥትን ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ሥልጣን ከዓ ንመሢሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዘኸሶም ዘነበረ ከሳስ ኣኅዋትና ተደርብዩ እዩሞ።

[11] ሳላ ደም እቲ በጊዕን ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ሳላ እቲ ዘሰበኽዎ ቓል ሓቅን ድማ ሰዓርዎ፤ ንሕይወቶም እንተየናሕሰዩ ኽሳዕ ሞት በጽሑ።

[12] ስለዙይ ኣቱም ሰማያትን ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ! ምድርን ባሕርን ግና ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ብብርቱዕ ቊጥዓ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም! ክብል እንተሎ ሰማዕኹ።

[13] ሽዑ እቲ ገበል ናብ ምድሪ ኸም ዘተደርበየ ምስ ረአየ ነታ ወዲ ዘወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ።

[14] ነታ ሰበይቲ ኸዓ ኻብ ገጽ እቲ ገበል ርሒቓ ሠለስተ ዓመትን መንፈቅን ኣብኡ ንኽትሕሎ ኽንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ ኽልተ ኽንፊ ተዉሃባ።

[15] እቲ ገበል ድማ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ ደድኅሪ እታ ሰበይቲ ዉሒጅ ዘመስል ማይ ብኣፉ ተፍአ።

[16] ምድሪ ግና ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ነቲ ገበል ብኣፉ ዘተፍኦ ዉሒጅ ጸም ኣቢላ ሰተየቶ።

[17] እቲ ገበል ከዓ በታ ሰበይቲ ተቅስጥዐ። ነቶም ትእዛዘ እግዚኣብሔር ዘሕልዉን ብዛዕባ ኢየሱስ ዘምስክሩን ዘተረፉ ዘርኣ ኽዋግኦም ከደ።

[18] እቲ ገበል ድማ ኣብቲ ልዕሊ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደዉ በለ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters