Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:41

[1] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝኃዘ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

[2] ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግሥትኻን ነቶም ክፉኣት ሰባትውን ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን ነቶም ሓዋርያት ኢና ዝብሉ ግና ዘይኮኑ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን እፈልጥ እየ።

[3] ትዕግሥቲ ኸም ዘለካ ስለ ስመይ ኢልካውን መከራ ኸም ዝተፃወርካን ከም ዘይሰልከኻን እፈልጥ እየ።

[4] ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝኃደግካያ እነቕፈካ ኣለኹ።

[5] እምበኣርስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር! ተነሳሕ! ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበሮ። እንተ ዘይተነሲሕኻ ግና መጺአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸግልሶ እየ።

[6] ግና ነቲ ኣነ ዝጸልኦ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻውን ትጸልኦ ኢካ እሞ እዙይ ግዳ ጽቡቕ ኣለካ።

[7] እዝኒ ዘለዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝሥዕር ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሔር ዘላ ኦም ሕይወት ክበልዕ ኽፈቕደሉ እየ።›

[8] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ሞይቱ ዝነበረን ሕያው ዝኾነን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

[9] መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ ግና ማኅበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ ጸርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።

[10] ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርኃዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሠርተ መዓልቲውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና ኽሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ።

[11] እዝኒ ዘለዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።

[12] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝኃዘ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦

[13] ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዙፋን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣጽኒዕኻ ኂዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ ንኣንቲጳስ ነቲ እሙን ምስክረይ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።

[14] እንተኾነ ብቑሩብ ነገር እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ ንጣዖት ዝተሠውዐ ኸም ዝበልዑ ን ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።

[15] ከምኡውን ንትምህርቲ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ሰባት ኣለዉኻ።

[16] ስለዙይ ተነሳሕ! እንተዘይኮነ ቐልጢፈ መጺአ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።

[17] እዝኒ ዘለዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ ይስማዕ! ነቲ ዝሥዕር ካብቲ ሥዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ ሓደኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም ዝተጽሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።›

[18] ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን ከምዙይ ኢልካ ጸሓፍ፦ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዕይንቲ ዘለዋኦ ኣእጋሩውን ዘንጸባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሔር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

[19] ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግሥትኻን ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳኅረዋይ ግብርኻ ኸም ዝበዝኅ እፈልጥ እየ።

[20] ግና ነታ ነቢይት እየ እናበለት ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን ንጣዖታት ዝተሠውዐ ኽበልዑ ን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ እነቕፈካ ኣለኹ።

[21] ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና ኻብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።

[22] ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ ኽድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ።

[23] ንደቃውን ክቐዝፎም እየ፤ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ኣነ ናይ ሰብ ሓሳብን ትምኒትን ዝምርምር ምዃነይ ክፈልጣ እየን። ንነፍስ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።

[24] ንኣኻትኩም ኣቱም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና ኲልኻትኩም ነዝ ትምህርትዙይ ዘይትኽተሉ ነቲ ንሳቶም ዓሚቝ ምሥጢር ሰይጣን ዝብልዎ ዘይተምሃርኩም ካልእ ፆር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ።

[25] ግዳ ኽሳዕ ዝመጽእ ነቲ ዘለኩም ኣጽኒዕኹም ኃዝዎ።

[26] -

[27] ነቲ ዝስዕርን ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሕዛብ ሥልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ ኽሰባብሮም እዩ።

[28] ኮኸብ ጽባሕውን ክህቦ እየ።

[29] እዝኒ ዘለዎ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters