ራእይ ዮሓንስ 10
[1] ድኅርዙይ ኻልእ ብርቱዕ መልኣኽ ደመና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ ቐስተ ደመና ነበረ፤ ገጹ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩዉን ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
[2] ኣብ ኢዱ ኸዓ ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መጽሓፍ ነበረቶ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸ።
[3] ከም ዘጓዘም ኣንበሳ ኸዓ ብብርቱዕ ድምፂ ጸርሐ። ምስ ጸርሐ ድማ እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ድምፂ ኣስምዑ ።
[4] እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምሰስምዑ ኽጽሕፍ ደለኹ። እንተኾነ ኻብ ሰማይ ነቲ እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ዘተዛረብዎስ ሕተሞ ደኣ እምበር ኣይትጽሓፎ ዘብል ድምፂ ሰማዕኹ።
[5] እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደዉ ኢሉ ዘረአኽዎ መልኣኽ ድማ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ
[6] በቲ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ዘኾነ ንሰማይን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ንምድሪን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ንባሕርን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ብዘፈጠረ እግዚኣብሔር መሓለ እሞ ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ!
[7] እንተኾነ በተን እቲ ሻዉዓይ መልኣኽ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልትታት ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዘበሎም ሽዑ እቲ ምሥጢር እግዚኣብሔር ክፍጸም እዩ።
[8] እቲ ኻብ ሰማይ ዘሰማዕኽዎ ድምፂ ኸዓ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደዉ ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ቕልዕቲ መጽሓፍ ዉሰዳ ኢሉ ደጊሙ ተዛረበኒ።
[9] ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ ነታ ንእሽተይ መጽሓፍ ሃበኒ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ዉሰዳ እሞ ብልዓያ፤ ንኸብድኻ መራር ክትከዉን እያ፤ ኣብ ኣፍካ ግና ኸም መዓር ጥዕምቲ ኽትከዉን እያ በለኒ።
[10] ነታ ንእሽተይ መጽሓፍ ከዓ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፤ ምስ በላዕኽዋ ግና ንኸብደይ መረረታ እሞ
[11] ኣብ ልዕሊ ብዙኃት ሕዘብታትን ኣሕዛብን ዘተፈላለየ ቛንቋታት ንዘዛረቡ ሕዘብን ነገሥታትን ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ በለኒ።