Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:44

[1] ካብቶም ሸዉዓተ ጽዋዓት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ እቲ ሓደ ናባይ መጺኡ፦ ፍርዲ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዘራ ኸርእየካ ነዓ!

[2] ነገሥታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዘነብሩዉን ብወይኒ ምንዘርናኣ ሰኸሩ በለኒ።

[3] ብድኅርዙይ ንሱ ብመንፈስ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዘተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት ንእግዚኣብሔር ዘጸርፍ ስማት ጸርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸዉዓተ ኣራእስን ዓሠርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።

[4] እታ ሰበይቲ ኸዓ ቐይሕ ግምጃን ቀይሕ ዉፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዘርናኣ ዘመልአ ዘነዉር ጽዋዕ ወርቂ ኸዓ ኣብ ኢዳ ኂዛ ነበረት።

[5] ኣብ ግምባራ ድማ እታ ዓባይ ባቢሎን እኖ ኣመንዘራታትን እኖ ርኽሰት ምድርን ዘብል ብምሥጢር ዘፍለጥ ስም ተጽሒፉ ነበረ።

[6] እታ ሰበይቲ ኸዓ ብደም ቅዱሳንን ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ የመና ተገረምኩ።

[7] እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስለ ምንታይ ትግረም? ምሥጢር እታ ሰበይትን ምሥጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸዉዓተ ኣራእስን ዓሠርተ አቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ በለኒ።

[8] እቲ ዘረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነበረ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ ናብ ጥፍኣትዉን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዘፍጠር ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ዘይተጽሓፈ ኣብ ምድሪ ዘነብሩ እቲ ኣራዊት ከም ዘነበረን ከም ዘየሎን ከም ዘመጽእን ምስ ረአዩ ኽግረሙ እዮም።

[9] ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ ዘድሊ ኣብዙይ እዩ። እቶም ሸዉዓተ ኣራእስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሸዉዓተ እምባታት እዮም። ንሳቶም ከዓ ሸዉዓተ ነገሥታት እዮም።

[10] እቶም ኃሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፤ ምስ መጸ ድማ ንቑሩብ ጊዜ ኽጸንሕ እዩ።

[11] እቲ ቕድም ዘነበረ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት ሻምናይ ንጉሥ እዩ። ንሱ ብጻይ እቶም ሸዉዓተ እዩ። ናብ ጥፍኣትዉን ክኸይድ እዩ።

[12] እቶም ዘረአኻዮም ዓሠርተ አቕርንቲ ድማ ገና መንግሥቶም ዘይተቐበሉ ዓሠርተ ነገሥታት እዮም። ግና ምስቲ ኣራዊት ከም ነገሥታት ኮይኖም ንሓንቲ ሰዓት ሥልጣን ዘቕበሉ እዮም።

[13] እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ኃይሎምን ሥልጣኖምን ከዓ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም።

[14] እዚኣቶም ምስቲ በጊዕ ኽዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና ጐይታ ጐይቶትን ንጉሥ ነገሥታትን እዩ እሞ ኽሥዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ዘተጸዉዑ ን ዘተኃረዩን እሙናትን ከዓ ምስኡ ኽሥዕሩ እዮም።

[15] ሽዑ እቲ መልኣኽ ከምዙይ በለኒ፦ እታ ኣመንዘራ ተቐሚጣቶም ዘረአኻዮም ማያት ኣሕዛብን ሕዘብን ብዙኃት ሰባትን ሃገራትን ዘተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።

[16] እቶም ዘረአኻዮም ዓሠርተ ኣቕርንትን እቲ ኣራዊትን ነታ ኣመንዘራ ኽጸልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ ጥራሓ ኸዉጽእዋ ሥጋኣ ኽበልዑ ብሓዊዉን ከንድድዋ እዮም።

[17] እግዚኣብሔር ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍጽሙ ቃል እግዚኣብሔር ክሳዕ ዘፍጸም ሓደ ሓሳብ ኮይኖም መንግሥቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።

[18] እታ ዘረአኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ነገሥታት ምድሪ እትገዘእ ዓባይ ከተማ እያ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters