ራእይ ዮሓንስ 9
[1] እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ ዓሚቝ ጕድጓድዉን ተዉሃቦ።
[2] እቲ ኮኸብ ድማ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ ኸም ትኪ ዓብዪ እቶን ዘመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ ፀሓይን ኣየርን ጸልመተ።
[3] ካብቲ ትኪዉን ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ ኃይሊ ዘለወን ከዓ ኃይሊ ተዉሃቦ።
[4] ነቲ ኣንበጣዉን ነቶም ኣብ ግምባሮም ማኅተም እግዚኣብሔር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር ኣብ ምድሪ ንዘሎስ ንሣዕሪ ወይ ንዘለምለመ ዂሉ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም! ተብሂሉ ተነግሮ።
[5] ክጾትሎም እንተይኮነስ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ሥልጣን ተዉሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ ኸምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ።
[6] በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትዉን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክርሕቕ እዩ።
[7] ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንዉግእ ከም ዘተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ረርእሱዉን ኣኽሊላት ወርቂ ዘመስል ነበሮ፤ ገጹ ኸዓ ኸም ገጽ ሰብ ነበረ።
[8] ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዘመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮ፤ ኣስናኑዉን ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ።
[9] ድርዒ ሓፂን ዘመስል ድርዒ ነበሮ፤ ድምፂ ኣኽናፉዉን ከም ድምፂ እቶም ናብ ዉግእ ዘጋልቡ ብዙኃት ኣፍራስን ሠረገላታትን ነበረ።
[10] ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዘመስል ጭራን ሕንዘን ነበሮ፤ ንሓሙሽተ ወርሒ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኦም ከዓ ኣብ ጭራኡ ኃይሊ ነበሮ።
[11] ንጉሥ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን ብግሪኽ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል ነበረ።
[12] እቲ ቐዳማይ መከራ ኃሊፉ፤ ድኅርዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመጽእ ኣሎ።
[13] እቲ ሻድሻይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘሎ ብወርቂ ዘተሠርሐ መሠዉዒ ኸዓ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ።
[14] ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም በሎ።
[15] እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን ነዛ መዓልቲ እዚኣን ነዛ ወርሒ እዚኣን ነዛ ዓመት እዚኣን ዘተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ሢሶ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኽጾትሉ ተፈትሑ።
[16] ቊጽሪ ናይቶም ሠራዊት ፈረሰኛታት ድማ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ ኸም ዘኾነ ሰማዕኹ፦
[17] ብራእይ ድማ ነቶም ኣፍራስን ነቶም ተቐሚጦምዎም ዘነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ ኸም ሓዊ ቐይሕ ከም ያክንት ሰማያዊ ከም ዲን ድማ ብጫ ዘመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምዉን ሓዉን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።
[18] በቲ ኻብ ኣፎም ዘወፀ ሓዉን ትክን ዲንን በዘን ሠለስተ መዓታት እዚኣተን ሢሶ ሰብ ተቐትለ።
[19] ኃይሊ እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዘመስል፤ ርእሲዉን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዘጐድኡ።
[20] እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዘተረፉ ሰባት ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ንኣጋንንትን ነቶም ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዘተሠርሑ ጣዖታት ምምላኽ ኣይሓደጉን።
[21] ሰብ ካብ ምቕታልን ብኣስማት ካብ ምጥንቋሎምን ካብ ምንዘርናኦምን ካብ ስርቆምን ኣይተነስሑን።